ሕፁይ ተወዳዳሪ ፕሬዚዳንት ኮንጎ ብምኽንያት ኮቮድ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕፁይ ተወዳዳሪ ፕሬዚዳንት ኮንጎ ጋይ ብሪስ መረፃ ምስተኻየደ ድሕሪ ሓደ መዓልቲ ብምኽንያት ኮቮድ ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈሊዮም።

እቶም ሕፁይ ተወደዳሪ ናብ ሆስፒታል ዝኣተዉ ኣብ ድሮ እቲ መረፃ ዝተኻየደሉ እዋን ከምዝነበረ እውን ተሓቢሩ፡፡

ነዚ ስዒቡ ድማ ንተወሳኺ ሕክምና ናብ ፈረንሳይ እናኸዱ እናሃለዉ ኣብ ውሽጢ ኣውሮፕላን ህይወቶም ከምዝሓለፈ ተገሊፁ፡፡

ኣብ ፕሬዚዳንታዊ መረፃ ኮንጎ 2 ነጥቢ 5 ሚሊየን መረፅቲ ተመዝጊቦም፡፡

የ77 ዓመቱ ፕሬዚዳንት ዴኒስ ሳሱዎ ንገሶ ሃገሪቷን ለ36 ዓመታት ዝመርሑ እንትኾኑ፥ ትማሊ ኣብ ዝተኻየደ መረፃ እውን ክዕወቱ ኢዮም ዝብል ቅድመ ግምት ተዋሂቡዎም ኣሎ፡፡

ፍልፍል፡- ቢቢሲን ኣልጀዚራን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment