ሕፁያት ተነሓናሕቲ ፕሬዚዳንት ኣሜሪካ ኣብ ሓያል ጐስጓስ ተፀሚዶም ከምዘለዉ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ጥቅምቲ፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅባሕ ሰሉስ 5 ሕዳር 2024 ዓ.ም.ፍ ዝካየድ መረፃ ኣመሪካ፥ ተዓዊቲ መፃኢ ፕሬዚዳንት ንምዃን ዝግበር ዘሎ ንሕንሕ ይቕፅል ኣሎ።

ክልቲኦም ሕፁያት ተወዳደርቲ ካማላ ሃሪስን ትራምፕን ኣብ ዝተፈላለያ ግዝኣታት ኣብ ተሪር ጐስጓስ ተፀሚዶም ይርከቡ።

ካማላ ሃሪስ፡ መዓልቲ ጐስጓሰን ኣብ ኣትላንታ ጀሚረንድሕሪኡ ናብ ሰሜን ካሮላይና ኣቕኒዐን ኢየን።

እተን ሕፅይቲ ዲሞክራት፥ ኣብ ጆርጅያ ኣብ ዝፀንሓሉ እዋን ኣብ መሰል ስነ-ተዋልዶ ደቂኣንስትዮ ዘተኰረ ኮይኑ ትራምፕ “መሰላትክን ክድርት’ዩ” ክብላ ከሲሰን ኣለዋ።

ምስ ካልኦት ተሓጋገዝተን ብምዃን ኣብ ዝተፈላለያ ግዝኣታትን ከተማታትን ጎስጓሳ ኣሐይለን ክቕፅላሉ መደብ ኣለወን።

ዶናልድ ትራምፕ ብግደኦም፥ ካብተን ወሰንቲ ዝበሃላ ግዝኣታት ዝኾና ሰሜን ካሮላይናን ቨርጂንያን ጒስጓስ ኣካይዶም።

ንሶም ኣብ ጎስጓሶም፥ ብፍላይ ኣብ ዛዕባታት ቁጠባን ስደትን ኣተኲሮም እዮ ዝጉስጉሱ ዘሎዉ።

“መሰል ወለዲ” ክሕሉዉ ምዃኖም ብምግላፅ፥ “ደቂ ተባዕትዮ ካብ ስፖርት ደቂ ኣንስትዮ ንክርሓቑ” ኣጠንቂቖም።

ትራምፕ፥ “ብሰፊሕ ፍልልይ ክንዕወት ከለና ብፀቢብ ፍልልይ ክንስዕር ናይ ግድን’ዩ” ኢሎም።

ብተወሳኺ “ኣመሪካ ሐዚ ኣብ ‘መግዛእቲ’ እትርከብ ሃገር ኮይና ኣላ። ካብዚ ኣርዑት ባርነት እንናገፈላ መዓልቲ ቀሪባ ኣላ” ክብሉ ገሊፆም።

ካብ ግዝኣት ኣዮዋ ዝተገብረ መባእታዊ ዳህሳስ፥ ሕፅይቲ ፕሬዚዳንት ካማላ ሃሪስ ብ47 ሚእታዊት ክትመርሓ እንከለዋ ዶናልድ ትራምፕ ድማ ብ44 ሚእታዊት ይስዕቡወን ኣለዉ።

ነቲ ዳህሳስ ዘካየደ ትካል፥ እዚ ውፅኢት ካብ 808 መረፅቲ ብዝተረኽበ ድምፂ ዝተወስደ ከምዝኾነ ይገልፅ፥

ደቂ ኣንስትዮን ነጻ መረፅትን ንካማላ ሃሪስ ኣብሊፀን ክዀና ከም ዝኽእላ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ እዚ ማለት ግን ናይ መወዳእታ ውፅኢት ዘርኢ ከም ዘይኮነ እቲ ትካል ሓቢሩ።

ክልቲኦም ሕፁያት ኣብቲ ዳህሳስ ካብ 50 ሚእታዊት ድምፂ ንታሕቲ ስለ ዝረኸቡ፥ ኣብቲ መረፃ ዝካየደሉ መዓልቲ እንታይ ከም ዝኸውን ንምፍላጥ ኣፀጋሚ ከም ዝገብሮ ድማ ተገሊፁ።

ዶናልድ ትራምፕ፥ ኣብ ዝሓለፉ ክልተ ተኸታተልቲ መረፃታት ኣብ ግዝኣት ኣዮዋ ብልዕሊ 10 ሚእታዊት ድምፂ ተዓዊቶም ምንባሮም ዝዝከር እዩ።

ከም ፀብፃብ ቢቢሲ፥ ኣዮዋ ሓንቲ ካብተን ሸውዓተ ወሰንቲ ወይ ኣገደስቲ ግዝኣታት ኣይኰነትን።

ኣመሪካ እትኽተሎ ስርዓት ኮሌጅ መረፃ እንትኸውን፥ ብድምር 538 ኮሌጃት መረፃ ወይ ተወከልቲ ኣለውዋ።

ነፍሲ ወከፍ ግዝኣት ከከም ብዝሒ ህዝበን እዩ ቁፅሪ ኮሌጃት ዝወሃበን።

ሃሪስ ወይ ትራምፕ ናብ ዋይት ሃውስ ንምእታው እንተወሓደ 270 ድምፂ ኮሌጅ መረፃ ክዕወቱ ኣለዎም።

Comments (0)
Add Comment