ሕጋዊ ኣቑሑት ሽፋን ብምግባር ተሓኦም ዝኣተዉ ናውቲ ኤሌክትሮኒክስ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕጋዊ ኣቑሑት ሽፋን ብምግባር ተሓኦም ዝኣተዉ 100 ላፕቶፕ ኮምፒውተራት ሓዊሱ ካልኦት ናውቲ ኤሌክትሮኒክስ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም።

ምክትል መካየዲ ስራሕ ዘፈር ተገዛኣይነት ሕጊ ጨንፈር ቤት ፅሕፈት ጉምሩኽ ሞጆ ኣይተ ፈረጃ ኣታላይ÷ ዴስክ ቶፕ ኮምፒዩተራት ኣብ ውሽጡ ባዶ ብምግባርን ኣብ ክንድኡ ሓደሽቲ ላፕቶፓት፣ ሃርድ ዲስክታትን ካልኦት ኣቑሑት ኤሌክትሮክስ ብምእታውን መሊሱ ብምዕሻግን ብዘይሕጋዊ መገዲ ክኣትዉ ክብሉ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ገሊፆም፡፡

ብመሰረት ዝተረኸበ ውፅኢት ፍተሻ ድማ ኣብ ሰነድ ዘይተገለፀ ኣቕሓ መጠን ታክሲን ቀረፅን ልዕሊ 3 ነጥ 2 ሚሊየን ብር ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡

ምስቲ ጉዳይ ተተሓሒዙ ሓደ ውልቀ ሰብ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሉ ምርመራ እናተገበረሉ እንትኸውን÷ ኣብቲ ዝተትሓዘ ኣቕሓ እውን ውሳነ ውርሲ ከምዝተውሃበሉ ኣረጋጊፆም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment