ሕጋዊ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ሃገር ናብ ኣውሮፓን እስያን ንምስፋሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ግንቦት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕጋዊ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ሃገር ካብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ብተወሳኺ ናብ ሃገራት ኣውሮፓን እስያን ንምስፋሕ እናተሰርሐ ምዃኑ ሚኒስትር ስራሕን ክእለትን ሙፈሪሃት ካሚል ገሊፀን።

ምስ ሃገራት ሕጋዊ ስምምዕነት ምውፋር ስራሕ ብምግባር ዝሰልጠነ ምውፋር ሓይሊ ሰብ እናተውሃበ ከምዝኾነ ብምሕባር፤ ኣብ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ሃገራት መሰል፣ ክብሪን ድሕንነትን ዜጋታት ብምሕላው ዝሐሸ ክፍሊትን ርክብ መስራሕቲን ንኽፍጠር ከምዝተገበረ ተዛሪበን።

ኣብ 10 ኣዋርሕ 304 ሺሕ ዜጋታት ስምምዕነት ናብ ዝተበረለን ሃገራት ምውፋር ስራሕ ከምዝገበሩ ብምግላፅ፤ ኣብ ምውፋር ስራሕ ወፃኢ ካብ ሃገራት ማእኸላይ ምብራቕ ብተወሳኺ ናብ ዕዳጋ ሃገራት ኣውሮፓን እስያን እናተኣተወ ከምዝኾነ ሓቢረን።

Comments (0)
Add Comment