ሕጊታት ቀረፅን ታክስን ብቐሊሉ ዝርከቡሉ ኦንላይን መርበብ ሓሬታ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕጊታት ቀረፅን ታክስን ኢትዮጵያ ብቐሊሉ ዝርከቡሉ ኦንላይን መርበብ ሓሬታ ዕላዊ ኮይኑ፡፡

ሚኒስቴር ገንዘብ “ምስ ሌክሲስ ኔክሲስ ሩል ኦፍ ሎው ፋዌንዴሽን” ብምትሕብባር ዘሰናደኦ መርብ ሓበሬታ÷ ልዕሊ 300 ሕጊታት ታክስ ብቋንቋታት ኣምሓርኛን እንግሊዝኛን ዝተቐመጡሉ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ኢዮብ ተካልኝ (ዶ/ር)÷ ቅድሚ ሕዚ ዝነበሩ ሕጊታት ታክስን ቀረፅን ንማሕበረሰብ ወይ እውን ንከፋሊ ግብሪ ዝበፅሑሉ መገዲ ኣፀጋሚ ከምዝነበረ ገሊፆም።

እቲ ስርዓት ኦንላይን ምዝርግሑ ዜጋታት ብቐሊሉ ሕጊታት ክረኽቡ ኣብ ምግባር ስርዓት ታክስ ግልፂን ፍትሓዊን ንምግባር ዝሕግዝ ኢዩ ኢሎም።

ሕጊታት ታክስን ቀረፅን ኣብ http://xn--www-86o.mofed.gov.et/ ምርካብ ከምዝከኣል እውን ተሓቢሩ።

ብሳሙኤል ወርቃየሁን ሲሳይ ጌትነትን

Comments (0)
Add Comment