ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብሓይሊ ንምፍራስ ይንቀሳቀሱ ነይሮም ብዝብል ኣብ ልዕሊ  ዝተጠርጠሩ 11 ውልቀሰባት 9 መዓልታት ግዘ ምፅራይ ምርመራ ተፈቒዱ  

ኣዲስ ኣበባ፣ 24 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብሓይሊ ንምፍራስ ይንቀሳቀሱ ነይሮም ብዝብል ኣብ ልዕሊ  ዝተጠርጠሩ 11 ውልቀሰባት 9 መዓልታት ግዘ ምፅራይ ምርመራ ተፈቒዱ።

ቀዳማይ ብርኪ መጋባእያ ቤት ፍርዲ ፌዴራል ጊዘ ቆፀሮ ምድብ ኣራዳ ኣብ ልዕሊ ተጠርጠርቲ ተዋሳኺ ምርመራ ንክግበረሎም ተወሳኺ ግዘ ዝፈቐደ፥ ፖሊስ ዝገበሮ ምርመራ ድሕሪ ምርኣዩ ከምዝኾነ ተገሊፁ።

እቶም ተጠርጠርቲ፥ ጌታሆይ ኣለሙ ተበጀ፣ ሃብታሙ ዳኜ ፣ ዳዊት ኣባቡ፣ ቴድሮስ ተሾመ፣ ጌታቸው ጥዑመ ልሳን ፣ ትዛዙ ታረቀኝ፣ ሙሉቀን ወንዴ፣ ዋና ሳጅን ቢያዝን ምህረቱ፣ ምስጋና ማሩ፣ በቀለ ሃይሌ (ዶ/ር)ን ጌትነት ወንደሰን ኢዮም።

ፖሊስ ዝጀመሮ ስራሕቲ ምርመራ እተ ተጠርጠርቲ ዘይስሩዕ ኣወዳድባ መሓውር ብምፍጣር እንትንቀሳቐሱ ከምዝነበሩ መረዳእታ ኣኪብና ኢና እንትብል ነቲ መጋባእያ ኣብሪሁ።

ኣብቲ ገበን ከምዝተሳተፉ ዘረድኡ ቃል መሰኻኽር ምቕባሉን ኣብ ኢዶም ዝተረኸቡ ኤሌክትሮኒክስ መሳርሒታት ብዝምልከቶ ኣካል ንክምርመር ከምዝተልኣኸ ኣረዲኡ።

ዝውውር ገንዘብ ብዝምልከት ንምፅራይ ንባንኪታት መረዳእታ ምሕታቱ እውን ኣብሪሁ።

ተወሳኺ ቃል ምስክር ንምቕባልን ዝተረፉ ስራሕቲ ሰሪሑ ንምቕራብን 14 ተወሳኺ መዓልታት ጊዘ ቆፀሮ ንክውሃቦ ሓቲቱ።

ጠበቓታት ተጠርጠርቲ ቅድመ ሐዚ ንፓሊስ ዝተውሃቦ ግዘ እኹል ከምዝኾነ ብምሕባር፥ ተወሳኺ ዕለታት ምርመራ ክውሃብ ኣይግባእን ከብሉ ተኻቲዖም።

መሰል ውሕስና ተጠርጠርቲ ንክፍቀድ እውን ሓቲቶም።

መርማሪ ፖሊስ ብግደኡ፥ ተጠርጠርቲ ብዋሕስ እንተወፂኦም ምስክር ከፈራርሑን ክድልሉን ከምኡወን ብመንግስቲ ዝተጀመረ ስራሕቲ ምኽባር ሕጊ ክተዓናቐፍ ይኽአል ኢዩ ዝብል ስግኣቱ ብምግላፅ ነቲ ሕቶ ውሕስነት ተቓዊሙ።

የማነ ፀጋም ክትዕ ዘዳመፀ እቲ መጋባእያ ጊዘ ቆፀሮ፥ ሕገ መንግስታዊ ስርዓት ብሓይሊ ንምፍራስ ይንቀሳቀሱ ነይሮም ብዝብል ኣብ ልዕሊ ዝተጠርጠሩ 11 ውልቀሰባት 9 መዓልታት ግዘ ምፅራይ ምርመራ ፈቒዱ።

 

ብታሪክ ኣዱኛ

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment