ሕዚ እውን ምርግጋፅ ድሕንነትን ህልውናን ህዝብና ናይ ኩሎም መደባትና እምነ-ኩርናዕ ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ -ዶ/ር ደብረፅዮን ገ/ሚካኤል

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ምርግጋፅ ድሕንነትን ህልውናን ህዝቢ ናይ ኩሎም መደባት እምነ-ኩርናዕ ምዃኑ ክስመረሉ ከምዝግባእ ምክትል ርእሰ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ዶክተር ደብረፅዮን ገብሚካኤል ገሊፆም።

ዶክተር ደብረፅዮን ገብሚካኤል ኣብ ማሕበራ ሚዲያ ፌሰቡክ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ “ሙሉእ ዓለም ኣብ ከቢድ ስግኣትን ሻቕሎትን ኣእቲዩ ዘሎ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፣ ንምምካትን ንምቁፅፃርን፣ ከም ኣመልና ጋእ መጋእ እንተይበልና ከም ህዝቢ ሰሚርና ክንወፍር ይግባእ” ክብሉ ፀዊዖም።

ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

ሕዚ እውን ምርግጋፅ ድሕንነትን ህልውናን ህዝብና ናይ ኩሎም መደባትና እምነ-ኩርናዕ ምዃኑ ክስመረሉ ይግባእ!!
•••••••••••••••••••••••••••••••
ሰላም!
ከም ዝፍለጥ ኣብቶም ዝሓለፉ እዋናት ክብርን ምስልን ህዝብና ንምጉዳፍ ዘይተገብረ ነገር ኣይነበረን፣ ይኹን’ምበር ከም ህዝቢ ውዳበታትና ኣሕይልና፣ ኩሎም መደባትና ድማ ‘ብቕኒት ድሕንነትን ህልውናን ህዝብና’ ሰሪዕና ብምርብራብ፣ ንኹሎም ኣብ ቅድሜና ተገቲሮም ዝነበሩ ማሕለኻታት በጣጢስና ክንስጉም ክኢልና ኢና።

ሕዚ’ውን ነዚ ሙሉእ ዓለም ኣብ ከቢድ ስግኣትን ሻቕሎትን የእትዋ ዘሎ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና፣ ንምምካትን ንምቁፅፃርን፣ ከም ኣመልና ጋእ መጋእ እንተይበልና፣ ከም ህዝቢ ሰሚርና ክንወፍር ኣብዘገድድ ኩነታት ንርከብ። ስለዝኮነ ኣብዚ እዋን እውን ‘ልዕሊ ምርግጋፅ ድሕንነትን ሰላምን ህዝብና ዝስራዕ ኣጀንዳ’ ከምዘይብልና ፈሊጥና፣ ኮማንድ ፖስት ዘውረዶም መምርሕታት ብሙሉእ ትግሃትን ልዑል ድስፕሊንን ክንፍፅምን ክነፈፅምን ይግባእ።

ህዝቢ ትግራይ ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ኣብ ዝተፀመደሉ ግዜ፣ ብጉልባብ ኮሮና ቫይረስ ንህዝቢ ትግራይ ንምስዃን ዝግበር ውዲት’ዉን ይቕፅል ከምዘሎ ብምርዳእ፣ ከምቲ ልሙድ ሓድነትና ኣሓይልና ንቫይረስ ኮሮና ይኹን ሰላምና ንምዝራግ ንዝህቅን ኣካል ክንምክቶ ይግባእ። ሕገመንግስቲ ብቓልሱ ንዘምፀኣ ህዝቢ፣ ሕገመንግስቲ ንምምሃር’ዩ ዝፍተን ዘሎ።ሕልፊ ከምዝተጠቕመ ንምምሳል እውን ዳግም ወፍሪታት ጀሚሮም ስለዘለው፣ ነብሲ ወከፍ ትግራዋይ ነዚ ኹነታት ክከታተሎን ክምክቶን ይግባእ።

ካልእ ምስ ድንጋገ ህፁፅ እዋን ብዝተዛመደ፣ እቲ ኮማንድ ፖስት እቲ ኩነታት ብዝርዝር እናገምገመን እናርኣየን ምምሕያሽ ክግበር እዩ። ስለዚ እቲ ሕ/ሰብ እውን ማሕበራዊ ርሕቀቱ ሓልዩ ኮማንድ ፖስት ብዝውስኖም መምርሒታት መሰረት ጉዳይ ዕዳግኡ ክገብር፣ በቢ ጣብይኡን ክፍለከተማን ድማ ዕዳጋ ክህሉ ከምዝገበር ክገልፅ ይደሊ ።

ስለዚ ሎሚ ይኹን ፅባሕ ልዕሊ ድሕንነትን ህልውናን ህዝብና እነቐድሞ ጉዳይ ስለዘይብልና፣ ሕድሕድና ተሓጋጊዝናን ተረዳዲእናን ኩለመደያዊ ድሕንነት ህዝብና ንምርግጋፅን ዝጀመርናዮም ናይ ልምዓት መደባትና ንምዕዋትን ታርኻዊ ሓላፍነትና ክንፍፅም ይፅውዕ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment