ሕዚ እውን ሙሉእ ቀልብናን ትኹረትናን ኣብ ቀንዲ ውራይና ክኸውን ይግባእ – ዶክተር ደበረፅዮን ገብረሚካኤል

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብብርኪ ክልል ዝተጣየሸ ግብረ ሃይልን ብሰብ ሞያ ጥዕናን ዝወሃብ ምኽርን ሓገዝን ብሙሉእ ልቢ ብምቕባል ቫይረስ ኮሮና ምክልኻል ከምዝግባእ ምክትል ርእሰ መምሕዳር ትግራይ ዶክተር ደበረፅዮን ገብረሚካኤል ገሊፆም።

እቶም ምክትል ርእሰ ምምሕዳር እዙይ ዝበሉ፥ ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ፌስቡክ ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ ኢዩ።

ሙሉእ ትሕዝቶ ናይቲ መልእኽቲ ከምዚ ዝስዕብ ቀሪቡ ኣሎ፦

”ሕዚ እውን ሙሉእ ቀልብናን ትኹረትናን ኣብ ቀንዲ ውራይና ክኸውን ይግባእ።

ከሉ ከምዝዝክሮ ኣብቶም ዝሓለፉ እዋናት ኣብ ህላወናን ክብርናን ንዘቕንዑ ተፃበኦታት ከም ህዝቢ ሰሚርናን ውህደትና ኣሐይልናን ብዘካየድናዮ ዘይሕለል ቃልሲ ዳግም ታሪኽ ሰራሕቲ ምዃና ኣመስኪርና እናሰጎምና ንርከብ። እዚ ክንገብር ዝኸኣልና ድማ ኣብ ካልኣዊ ዛዕባታት ግዜናን ጉልበትናን እንተየጥፋእና፣ ኣብቶም ንህላወና ዝውስኑ ናይ ሓባር ዛዕባታትና ሙሉእ ግዜናን ልዑል ትኹረትን ሂብና ብምርብራብና’ዩ።

ሕዚ’ውን ልዕሊ ኹሉ ትኹረትና ምውሓስ ሰላም፡ ደሕንነትን ህልውናን ህዝቢ ትግራይ እዩ።
ከምዝፍለጥ ኣብዚ እዋን ለበዳ ሕማም ኮሮና ቫይረስ ብኣዝዩ ዘሰንብድ ኩነታት ህይወት ኣሻሓት ህዝብታት ዝተፈላለዩ ሃገራት እናመንጠለ ይርከብ። ስለዚ ብክልልና ግብረ ሃይልን ብሰብ ሞያ ጥዕናን ዝወሃበና ምኽርን ሓገዝን ብሙሉእ ልቢ ብምቕባል ክንከላኸሎ ይግባእ።

መላእ መሓውር መንግስትን ውድብን፣ መራኸብቲ ሓፋሽ፣ ኣባላት ድጂታል ወያነ፣ ሲቪል ማሕበራትን ብሓፈሻ መላእ ህዝብና ከም ልማድና ሓደ ኮይንና ሓደጋ ለበዳ ኮሮና ቫይረስ ብምምካት፡ ደሕንነትን ህልውና ህዝብናን ውሑስ ክኸውን ብምግባር፡ ታሪኽ ክንሰርሕ ፃውዒተይ የቕርብ።”

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment