ኣዲስ ኣበባ፣ 21 ሓምለ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዎት መሪሕነት ግዚያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ፣ ሙሁራን፣ ተወከልቲ ተነሓናሕቲ ውድባትን ካልኦት ዓቕምታት ትግራይን ዝተሳተፍሉ እግሪ ምትካልን ዳግመ ህንፀት ትግራይን ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ዝተዳለወ መድረኽ ዘተ ኣብ ከተማ መቐለ ይሳለጥ ኣሎ።
እቲ መድረኽ ንምርግጋፅ ዳግመ ህንፀት ትግራይ ክውሰዱ ዘለዎምን ዝውሰዱ ዘለው ተበግሶታትን ጠመተ ዝገበረ ከምዝኾነ ተገሊፁ።
ምክትል ርእሰ ምምሕዳርን ሓላፊ ክላስተር ሰላምን ፀጥታን ግዝያዊ ምምሕዳር ክልል ትግራይ ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ክልል ትግራይ ብዝተተለመን ዝተወደበን ኣገባብ ምስራሕ መማረፂ ዘይብሉ ዕማም እዩ ኢሎም።
ሕውየትን ዳግመ ህንፀትን ክልል ትግራይ ብዝኾነ መንገዲ ክንሓልፎ ዘይንኽእልን ዋኒን ኩሉ ትግራዋይ ዝኾነ ናይ ሓባር ዕላማን ከቢድ ሸኽምን እዩ እውን ኢሎም።
ሌ/ጀነራል ታደሰ ወረደ፥ እቲ ኣጋጢሙ ዘሎ ዕንወት ከቢድን ፃዕሪ ዝሓትትን ዋላ እንተኾነ ኩለ መዳያዊ ዓቕምታትና ብምጥቃም ንምፍትሑ ክንሰርሕ ይግባእ ክብሉ ምግንዛቦም ኣብ ቤት ፅሕፈት ኮሚኒኬሽን ግዚያዊ ምምሕዳር ክልለ ትግራይዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።