ሕቶ ወሰንን ማንነትን ራያ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ከምዝምለስ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 መጋቢት፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕቶ ወሰንን ማንነትን ራያ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ከምዝምለስ ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ገሊፁ።

ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር፥ ተወከልቲ ህዝቢ ራያ ንዘቕረብዎ ሕቶ ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፥ ሕቶ ህዝቢ ራያ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ተራእዩ ከምዝወሃብ ገሊፆም።

ተወከልቲ ህዝቢ ራያ ንቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን ሕቶ ወሰንን ማንነትን ህዝቢ ራያ ንዝምልከቶም ኣካላት መንግስቲ ዘቕረቡ እንትኾኑ፥ ንነዊሕ እዋን ምላሽ እንተይረኸበ ከምዝፀንሐ ገሊፆም።

እቶም ተወከልቲ ሕቶ ማንነት ብምሕታቶም ሞት ሓዊሱ ካልኦት በደላት ኣብ ልዕሊ ህዝቢ ራያ እንትፍፀም ከምዝነበረ ብኣማኢቲ ኣሽሓት ዝቑፀሩ ራያታት ካብ መረበቶም እንትፈናቐሉን ንብረቶም እንትወድምን ከምዝነበረ እቶም ተወከልቲ ብኣካል ቀሪቦም ኣረዲኦም።

ኣፈ ጉባኤ እቲ ቤት ምኽሪ ኣይተ ኣገኘሁ ተሻገር፥ እቲ ሕቶ ህዝቢ ራያ ብመሰረት ሕገ መንግስቲ ተራእዩ ውሳነ ከምዝወሃብ ገሊፆም።

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment