ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሓበራዊ ተረባሕነት ሃገራት ክብ ዘብል ኢዩ-ምሁራን

ኣዲስ ኣበባ ፣ 23 ጥቅምቲ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ብሱል ዲፕሎማሲያዊ ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ሓበራዊ ተረባሕነት ሃገራት ክብ ዘብል ኢዩ ክብሉ ምሁራን ገሊፆም።

ዲፕሎማት ኣምባሳደር ጥሩነህ ዜና መሰል ምጥቃም ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ ኣንፈት ዲፕሎማሲ ጠሚቶም  ኣብ ዝሃብዎ ርእይቶ፥ መሰል ምጥቃም ኣፍደገ ባሕሪ ናይ ኢትዮጵያ ናይ ነዊሕ እዋን ሕቶ ኢዩ ኢሎም።

ዝፀንሐ ሕቶ ህዝቢ ምላሽ ንምሃብ ድማ ናይ ሓባር ተረባሕነት መሰረት ዝገበረ መትከል ሂብካ ምቕባል  ፃዕሪ ዲፕሎማሲ መሰል ሃገራት ዘይትንክፍን ዘበናዊነትን ኢዩ ከብሉ ገሊፆም።

ኢትዮጵያ ዝሓዘቶ ዲፕላሲያዊ ኣካይዳ ኣፍደጋ ባሕሪ ምስ ዘለወን ሃገራት ብሓባር ናይ ምልማዕ መትከል ከምዝኾነ ሓቢሮም።

ሓበራዊ ተረባሕነት መሰረት ዝገበረ ኣካይዳ ምሓዝ ቀጣናዊ ዝምድና ዝፈጥር ኢዩ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ።

ኣባል ባይቶ ወከልቲ ህዝብን ዓለም ለኸ ምሁር ሕጊን ሳዲቅ ኣደም፥  ሕቶ ኣፍደገ ባሕሪ ኢትዮጵያ ዓለም ለኸ ሕጊ መሰረት ዝገበረ ኢዩ ኢሎም።

ስለዝኾነ ልዑል ተቐባልነት ከምዘለዎ ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment