ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ልዑል ምንቕቓሕ ኢኮኖሚን ኢንቨስትመንትን እትርከብ ኢትዮጵያ ናይ ባዕላ ወደብ ከምዘይብላ ይፍለጥ።
መራሕቲ ኢትዮጵያን ሶማሊያን እቲ ሓደ ናይቲ ካሊእ ሉእላውነት፣ ነፃነትን ናይ ግዝኣት ሓድነትን ከምኡውን ብመሰረት ደንቢታት ሕቡራት መንግስታትን ሕብረት ኣፍሪካን ዝሰፈሩ ዓለም ለኸ ሕጊታት ንምኽባር ተስማዕሚዖም ኢዮም።
ነቲ ስምምዕነት ኣንካራ ስዒቡ በዓል ሞያ ሕጊ ኣንዷለም በእውቀቱ፥ ኢትዮጵያ ምስ ሶማሊያ ዝኸተመቶ ስምምዕነት በሪ ባሕሪ ናይ ምርካብ ሕቶ ብመንፅር ዓለም ለኻዊ ሕጊ ወሳኒ ረብሓ ከምዘለዎ ተዛሪቦም።
ቁፅሪ ህዝቢ ኢትዮጵያ ኣብ ኣፍሪካ በሪ ባሕሪ ካብ ዘይብለን ሃገራት ህዝቢ 33 ሚኢታዊት ከምዝሽፍን ፀብፃብ ጉዳያት ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊን ሕቡራት መንግስታት 2024 የረደእ።
ን1 ሺሕ ዓመታት ወናኒት ቀይሕ ባሕሪ ዝነበረት ኢትዮጵያ ብታሪክ ኣጋጣሚ ዝነበራ በሪ ባሕሪ ምስኣና ኣዘኻኺሮም።
ነዚ ስዒቡ ናይቲ ቀጣና ቁልፊን ኣብ ዓለም ስሉጥ ምዕባለ ኢኮኖሚ እትርከብ ኢትዮጵያ ብዘላቕነት ናተይ እትብሎ በሪ ባሕሪ ስኢና ናብ ጎረባብታ ንምርኣይ ተገዲዳ ኣላ።
ብመሰረት ስምምዕነት ኣንካራ ክልቲአን ሃገራት ብሕውነትን ናይ ምክብባርን መንፈስ ዝሓለፈ ኣፈላላይን ዘሰሓሕቡን ዛዕባታት ብምግዳፍ ብምትሕብባር ንሓበራዊ ምዕባለን ናብ ቅድሚት ንምስራሕ ምስምዕመዐን ብምንኣድ ቅኑዕ መገዲ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።
ኣብ መዛዘሚ ካልኣይ ኲናት ዓለም ብስምምዕነት ቨርሳይ ፈረንሳይ፣ ብሪታኒያ፣ ኣሜሪካን ኣብቲ እዋን ሶቪዬት ሕብረትን ዕድል ኤርትራ እንትውስና መሰል ምርካብ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ኣብ ግምት ምእታው ከምዝግባእ ቅዋመን ምግላፀን ነቲ ጉዳይ ዝሃብኡ ጠመተ ዘርእይ ኢዩ ኢሎም።
ግዝኣት ሓድነት ሶማሊያ ብዘኽበረ ኩነታት ኢትዮጵያ ኣተኣማማኒ መተሓላለፊ ባሕሪ ምርካብ ዝህልዎ ኩለ መዳይ ረብሓ ክልቲአን ሃገራት ኣፈልጦ ከምዝህብኡ ተገሊፁ።
ኢትዮጵያ ኣብ ትሕቲ ሉእላዊ መንግስቲ ሶማሊያ ኣተኣማማኒ፣ ድሕንነቱ ዝሓለወን ዘላቒ መተሓላለፊ ባሕሪ ንክትረክብ ዘኽአል ንክልቲአን ሃገራት ዝረብሑ ናይ ኮንትራት፣ ኪራይን ተመሳሳሊ መገዲታት ኣሰራርሓ ንግዲን ብሓባር ብምዃን ንምዝዛም ተስማዕሚዐን።
እዚ ስምምዕነት ሕቡራት መንግስታት፣ ሕብረት ኣፍሪካ፣ ኢጋድ፣ ሕብረት ኣውሮፓን ዝተፈላለያ ዓለም ለኻዊ ትካላትን ሃገራትን ደጊፈሙዎ ኢዮም።
ብቴዎድሮስ ሳህለ