ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕቶ በሪ ባሕሪ ኢትዮጵያ ቀጣናዊ ሓበራዊ ተረባሕነት ዘረጋግፅ ኢዩ ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ(ዶ/ር) ገሊፆም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ መንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ሶማሊያን ዝተገበረ ስምምዕነት ጠሚቶም ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ክልቲአን ሃገራት ናይ ሓባር ባህልን ቋንቋን ዘለወን ኣሓት ሃገራት ኢየን ኢሎም።
ኢትዮጵያን ሶማሊያን ብደም ዝተዛመደ ርክብ ከምዘለወን ብምግላፅ፥ መንግስቲ ሶማሊያ ግብረ ራዕዲ ኣልሸባብ ንምክልኻል ዝገብሮ ፃዕሪ ብምሕጋዝ ኢትዮጵያዊያን መስዋእትነት ከፊሎም ኢዮም ኢሎም።
መንግስቲ ኢትዮጵያ ኣብ መትከል ቀጣናዊ ዝምድናን ሓበራዊ ተረባሕነትን ከምእትኣምን ብምሕባር፥ ኢትዮጵያ ንዝሓለፉ ሽዱሽተ ዓማውቲ ቀጣናዊ ዘምድና ንምጥንኻር ከምኡውን ሰላምን ምዕባለን ንምርግጋፅ ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝሰርሐት ኣረዲኦም።
ሰላምን ምዕባለን ናይዚ ቀጣና ሓበራዊ ባህጊ ኢዮም ብምባል፥ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ዘጋጥሙ ዘይምርድዳኣት ኣብ ሓበራዊ ምዕባለ እዚ ቀጣና ፅዕንቶ ከምዝህልዎም ኣገንዚቦም።
ኢትዮጵያ በሪ ባሕሪ ንምርካብ ስምምዐነት እንትትገብር ኣብ ሓበራዊ ተረባሕነት ጎረባብቲ ሃገራት ብሰለማዊ መገዲ ንምርግጋፅ ከምዝኾነ ገሊፆም።
ኢትዮጵያ ብመንፅር ዘለዋ በዝሒ ህዝብን ኢኮኖሚን ኮሪደር ባሕሪ የድሊያ ኢዩ ኢሎም።
መንግስቲ ክልቲአን ሃገራት ተዓወትቲ ዝገበረ እቲ ስምምዐነት ነክግበር ንብዙሕ ኣዋርሕ ፃዕሪ ዝገብሩ ንዝነበሩ ፕሬዚዳንት ረሲፕ ጣይብ ኤርዶኻን ልባዊ ምስጋና አቕሪቦም።
ብሚኪያስ ኣየለ