ሕቶ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 170 ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ምምላስ ከምዝተኽኣለ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ሰነ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋርሕ እዚ ባጀት ዓመት ሕቶ ቀረብ ሓይሊ ኤሌክትሪክ 170 ኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ምምላስ ከምዝተኽኣለ ሚኒስቴር ኢንዱስትሪ ገሊፁ።

ቤት ፅሕፈት ፕሮጀክት ኢትዩጵያ ተፍሪ እቲ ሚኒስቴር፥ ኣፈፃፅማ ስራሕ ኢትዮጵያ ተፍሪ 10 ኣዋርሕ 2016 ዓ.ም ተገምጊሙ።

ብመሰረት እዚ ስራሕቲ ምጭባጥ ግንዛበ ምስረሖም፣ ኣብ መዳርግቲ ትካላት ሰምዒት በዓል ዋንነት ናይ ምፍጣርን ጎስጓስን ብሄራዊ ኣጀንዳ ብምግባር ውፅኢት ከምዝተረኸበ ተሓቢሩ።

ኣተሓባባሪ እቲ ቤት ፅሕፈት ኣያና ዘውዴ (ዶ/ር)፥ በቢዓመቱ ንኣፍረይቲ ኢንዱስትሪታት ዝቐርብ ልቃሕ መጠኑን ደገፍ ፋይናንስ መካየዲ ስራሕን ለውጢታት ይረኣይሉ ከምዘለዉ ሓቢሮም።

ኣብ ዝሓለፉ 10 ኣዋረሕ 710 ሓደሽቲ ኢንቨስትመንታት ምስሓብ ከምዝተ♣ኽኣለ ምሕባሮም ኣብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

Comments (0)
Add Comment