ሕቶታት ተበፃሕነት ዕዳጋ ምስ ዕቤት ሃገራት ምምጥጣን ከምዝግባእ ተሓቢሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕቶታት ተበፃሕነት ዕዳጋ ምስ ዕቤት ሃገራት ምምጥጣን ከምዝግባእ ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ገብረመስቀል ጫላ ኣገዚቦም፡፡

በቶም ሚኒስትር ዝተመርሐ ልኡኽ ኣብ ዱባይ ቅድሚ መበል 13 ዓለም ለኸ ኣኼባ ትካል ንግዲ ዝካየድ “ዘተ ዙሪያ ጠረጴዛ ቻይና” ተሳቲፉ፡፡

ኣይተ ገብረመስቀል ኣብቲ እዋን ኣብ ሞንጎ ኢትዮጵያን ሃገራት ዓረብን ኣብ ዘለዉ ርክባት ንግዲ ጠሚቶም ገለፃ ገይሮም፡፡

ኣብ ዓለም ለኸ ትካል ንግዲ ምፅምባርን ብሓባር ምስራሕን ንዕቤት እቲ ዓውዲ ኣድላዪ ከምዝኾነ ብምሕባር÷ ብፍላይ ሕቶታት ተበፃሕነት ዕዳጋ ምስ ዕቤት ሃገራት ምምጥጣን ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ኢትዮጵያ ናብቲ ትካል ንምፅምባር ትገብሮ ከይዲ ኣብ ናይ መወዳእታ ደረጃ ከምዝበፅሐ እውን ኣፍሊጦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment