ሕብረት ወንጌላውያን ንዝተመዛበሉ ወገናት ዘተኣኻኸቦ 10 ሚሊየን ብር ኣረኪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ወንጌላውያን ንዝተመዛበሉ ወገናት ዘተኣኻኸቦ 10 ሚሊየን ብር ንምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣረኪቡ።

እቲ ሕብረት ብምኽንያት ኲናት ንዝተመዛበሉ ወገናት ካብ ኣመንቲ ዝተኣከበ 10 ሚሊየን ብር ኢዩ ሎሚ መዓልቲ ነቲ ምምሕዳር ከተማ ኣረኪቡ ዘሎ፡፡

እቲ ሓገዝ ዘረከቡ መራሒ ቤተ ክርስቲያን ዘፀኣት ፓስተር ዮሃንስ ግርማ፥ እቲ ምምሕዳር ከተማ ብዝገበሮ ፃውዒት ስለ ኢትዮጵያ ናይ ባዕሎም ምላሽ ንመሃብ ብዙሓት ምእመናን ብዕቱብ ብምስታፍ ንወገኖም ዘለዎም ድጋፍ ብምውፃእ ከምዘርአዩ ገሊፆም፡፡

እቲ ሓገዝ ዝተረከቡ ብመዓርግ ምክትል ከንቲባ መካየዲ ስራሕ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣይተ ጥራቱ በየነ፥ ዝተጎድኡ ወገናት ብሓድነት ምጥያሽ ይግባእ ብምባል እቲ ምምሕዳር ነዚ ተግባር ዝመርሕ ሓደ ግብረ ሓይሊ ኣጣይሹ ናብ ተግባር ከምዝኣተወን ነዚ ፃውዒት ሰሚዖም ምላሽ ንዝሃቡን ሕብረት ወንጌላውያን ኣመስጊኖም፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment