ሕብረት ኣፍሪካ ዓለም ለኻዊ ምትሕበባራት ኣብ ምድንፋዕ ርኡይ ግደ እናተፃወተ ይርከብ – ቭላድሚር ፑቲን

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ለካቲት ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣፍሪካ በዓል ብዙሕ ወገን ኢኮኖሚያዊ፣ ፖለቲካዊን ሰብኣዊን ምትሕበባራት ኣብ ምድንፋዕ ርኡይ ግደ እናተፃወተ ከምዝርከብ ፕሬዚዳንት ሩሲያ ቭላድሚር ፑቲን ገሊፆም።

ፕሬዚዳንት ቭላድሚር ፑቲን መበል 36ን ጉባኤ መራሕቲ ሕብረት ኣፍሪካ ኣመልኪቶም ንተሳተፍቲ ኣብ ዘመሓላለፉዎ መግለፂ ሰናይ ትምኒት፥ ሃገራት ኣፍሪካ ናይ ኩሉ ግዘ መሓዙት ሩሲያ ከምዝኾና ገሊፆም።

እቶም ፕሬዚዳንት ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን 2019 ዝተኻየደ ጉባኤ ሩሲያ-ኣፍሪካ፥ ኣብ ሞንጎ ሃገሮምን ሃገራት ኣፍሪካ ክልተኣዊን ዓለም ለኻዊን ምትሕብባር ንምጥንኻር መሰረት ከምዘንበረ ኣብሪሆም።

ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሓምለ ኣብ ሩሲያ ከተማ ፒተርስበርግ ዝካየድ ካልኣይ ጉባኤ ሩሲያ-ኣፍሪካ፥ ኣብ ቀፃሊ ሓበራዊ ተረባሕነት መሰረት ዝገበረ ዕዉት ምትሕብባር ንምግባር ዘኽእል መድረኽ ዘተ ከምዝኸውን ዘለዎም እምነት ምግላፆም ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrignahttps://www.youtube.com/

Comments (0)
Add Comment