ሕብረት ኣፍሪካ ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ንሱዳን ሰብኣዊ ሓገዝ ንኸቕርብ ሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሱዳን ዘሎ ሰብኣዊ ቅልውላው ንምቅላል ዓለም ለኸ ማሕበረሰብ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኸቕርብ ሓቲቱ።

ካብዚ ብተወሳኺ ጎንፂ ብምህዳም ካብ ሱዳን ንዝወፅኡ ሰባት ጎረባብቲ ሃገራትን ዓለም ለኸ ማሕበረሰብን ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ሰብኣዊ ሓገዝ ንኽገብሩ ተሓቲቱ፡፡

ኣብ ሱዳን ዘሎ ጎንፂ ሰላማዊ ዜጋታት ናብ ፀገም ዘውድቕ ብዝብል ስግኣት እተኸታተሉ ከምዝኾኑ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍካ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ገሊፆም፡፡

ተዋጋእቲ ሓይሊታት ሱዳን እውን ብህፁፅ ኣብ ስምምዕነት ምቁራፅ ተኹሲ ንኽበፅሑ ፀዊዖም፡፡

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube      

Comments (0)
Add Comment