ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሚያዝያ፣ 2013 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቤት ምኽሪ ሰላምን ድሕንነትን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ቅልውላው ቻድን ሶማሊያን ኣድሂቡ ክዝቲ ኢዩ ተባሂሉ።
ፕሬዚዳንት ቻድ እድሪስ ዴቢ ምስ ሞቱ ጦር ሓይሊ እታ ሃገር ወዶም ንኽወርስ ዝሃቦ ስልጣን ተቓወምቲ ፓርቲታት ፖለቲካ ቻድ ምስተቓወሙ ኢዩ፥ እቲ ቤት ምኽሪ ኣኼቡኡ ንምክያድ ወሲኑ ዘሎ፡፡
ንሳላሳ ዓማውቲ ኣብ መዝነት ዝፀንሑ ፕሬዚዳንት ቻድ ካብ ዓመፅቲ ብዝተተኮሰሎም ጥይት ተወቒዖም ህይወቶም ከምዝሓለፈ ይፍለጥ፡፡
ሶማሊያ እውን ፕሬዚዳንታዊን ከባቢያዊን መረፃ ምንውሑ ስዒቡ ቅልውላው ኣንፀላሊዩዋ ኣሎ፡፡
ኣብ ዝሓለፈ ሰሙን ፓርላማ ሶማሊያ ዕድመ ስልጣን ፕሬዚዳንት ሞሓመድ ኣብዱላሂ ፋርማጆ መዘራረቢ ብዝኾነ ኩነታት ብኽልተ ዓመት ንኽናዋሕ ምውሳኑ ይዝከር።
ፍልፍል፡- ቢቢሲ
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ
ይግበሩ/ራ!