ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሶማሊያ ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ዝግበር ፃዕሪ ከምዝድግፍ ገሊፁ

ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሶማሊያ ዘላቒ ሰላም ንምዕሳል ዝግበር ፃዕሪ ከምዝድግፍ ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 መጋቢት፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሶማሊያ ሰላም፣ ምርግጋእን ልምዓትን ንኽህሉ ዝግበር ፃዕሪ ንምድጋፍ ቆራፅ ከምዝኾነ ኣረጋጊፁ፡፡

ኣብ ሶማሊያ ናይ ክልተ መዓልቲ ዑደት ስራሕ እናገበሩ ዝርከቡ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሞሓመድ ዓሊ ዩሱፍ ምስ ፕሬዚዳንት እታሃገር ሓሰን ሼኽ ሙሓመድ ተዛቲዮም፡፡

እቶም ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ነቲ ዘተ ኣመልኪቶም ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ኤክስ ከምዝሓበሩዎ÷ ኣብ ሶማሊያ ሰላምን ምርግጋእን ንምዕሳል ከምኡ እውን ዞባዊ ምትእስሳር ንምጥንኻር እናተገበሩ ዝርከቡ ፃዕሪታት ንኢዶም፡፡

ሓላፍነቶም ካብ ዝርከቡ ንደሓር ፈላማይ ዑደቶም ኣብ ሞቃዲሾ ዝገበሩ እቶም ኣቦ መንበር÷ ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሶማሊያ ዘላቒ ሰላምን ልምዓትን ንምምፃእ ዝግበር ፃዕሪ ንምድጋፍ ቆራፅ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሶማሊያ መስራቲት ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ኣባል ሃገርን ከም ምዃና፣ ንኣህጉራዊ ሓድነት፣ ሕብረትን በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባራትን ዘለዋ ቆራፅነት ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ ኢሎም።

ፕሬዚዳንት ሓሰን ሼኽ ሙሓመድ ብግደኦም÷ ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኣብ ሞቃዲሾ ዑደት ብምግባሮም ናእደኦም ብምግላፅ፤ ኣብ ሞንጎ ሶማሊያን ሕብረት ኣፍሪካን ዘሎ ምትሕብባር ንምጥንኻር ንዘርአዩዎ ተበግሶ ምስጋና ምቕራቦም ኬቢሲ ኒውስ ፀብፂቡ፡፡

ብሚኪያስ አየለ

Comments (0)
Add Comment