ሕብረት ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ንሃገራት ኣፍሪካ መከላኸሊ መሳርሒታት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብምክፍፋል ትዋፅኦ ዘላ ግደ ምስጋና ኣቕሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕብረት ኣፍሪካ ኢትዮጵያ ብኢኒሼቲቭ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ-ጃክ ማ ኣቢላ ንሃገራት ኣፍሪካ መከላኸሊ መሳርሒታት ለበዳ ቫይረስ ኮሮና ብምክፍፋል ትዋፅኦ ዘላ ግደ ምስጋና ኣቕሪቡ።

ኣቦ መንበር ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ሙሳ ፋኪ ማሃማት ንቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣቢይ ኣሕመድ ብዝለኣኹዎ ደብዳቤ፥ እቶም ኣቑሑት ብቕልጡፍ ናብ ኩለን ኣባል ሃገራት ንኽበፅሕ ንዝሃቡዎ ኣመራርሓ ምስጋነኦም ኣቕሪቦም።

እቶም ኣቑሑት ብቕልጡፍ ንኽበፅሑ፥ ኩለን ኣባል ሃገራት ክልላዊ ከባቢ ኣየረን ንኽኸፍታን ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ ንኸማልኣን ናፍተን ሃገራት መልእኽቲ ከምዝልእኹ እውን እቶም ኣቦ መንበር ገሊፆም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይን ቻይናዊ በዓል ሃፍቲ ጃክ ማን ብሓባር ብዝወሰዱዎ ኢኒሼቲቭ፥ ኣብ ኣፍካ ዝርገሐ ለበዳ ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ዝሕግዙ ኣቑሑት መሳርሒታት ሕክምና ናብ ዝተፈላለያ ሃገራት ኣፈሪካ እናተኸፋፈለ ይርከብ።

ንሕድ ሕድ ሃገረ ኣፍሪካ፥ እቲ ቫይረስ ንምፍላይ ዝሕግዙ 20 ሺሕ መመርመሪ መሳርሒታት፣ 100 ሺሕ መሸፈኒ ገፅ (ማስክታት)ን ሰብ ሞያታት ሕክምና ዝኽደኑዎም 1 ሺሕ መከላኸሊ ክዳውንቲን እናተኸፋፈለ ይርከብ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment