ሕብረት ኣፍሪካ ነበር ተዋጋእቲ መሊስካ ንምጥያሽ ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 25 ሕዳር፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ነበር ተዋጋእቲ መሊስካ ንምጥያሽ ዝግበር ሓገዝ ተጠናኺሩ ከምዝቕፅል ተወካሊት ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ጀስላይን ናሂማ ገሊፀን።

ብምትሕብባር ኮሚሽን ብሄራዊ ተሃድሶን ሕብረት ኣፍሪካን ነበር ተዋጋእቲ መሊስካ ንምጥያሽን ናብ ማሕበረሰብ ናይ ምምላስን ስራሕ ኣፈፃፅምኡ ብዝምልከት መድረኽ ዘተ ይካየድ ኣሎ፡፡

ኮሚሽነር ብሄራዊ ተሃድሶን ተመስገን ጥላሁን÷ እቲ መድረኽ ነበር ተዋጋእቲ ብተሃድሶ ስልጠና ናብ ማሕበረሰቦም ንምፅምባር ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ዓወታት ክቕፅሉ ኣብ ምግባር ውስንነታት ንምእራም ሃናፂ ግደ ኣለዎ ኢሎም።

ዓቕሚ ምቕባል ማእኸላት ተሃድሶ ምዕባይ፣ ካብ ፍልፍላት ሃፍቲ ውሽጢ ሃገር ዓለም ለኸን ምትእኽኻብን ከይዲ ዳግመ ምጥያሽ ምቅልጣፍን ብትኹረት ዝስረሐሎ ተግባራት ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ተወካሊት ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ጀስላይን ናሂማ ብግደአን÷ ንጉዳያት ሰላምን ድሕንነትን ዝግበሩ ሓገዛት ኣጀንዳ 2063 ሰላማዊትን ዝማዕበለትን ኣፍሪካ ንምፍጣር ዝግበር ፃዕሪ ኣካል ከምዝኾነ ገሊፀን።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment