ሕብረት ኣፍሪካ ተወሰኽቲ 400 መጠን ዘለዎም ክታበት ቫይረስኮሮና ከምዘቕርብ ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 20 ጥሪ፣ 2013 (ኤፍቢሲ)ሕብረት ኣፍሪካ ተወሰኽቲ 400 መጠን ዘለዎም ክታበት ቫይረስኮሮና ንኣባል ሃገራት ከምዘቕርብ ማእኸል ምክልኻን ምቁፅፃርን ሕማማት ኣፍሪካ /ሲዲሲ/ ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር እቲ ማእኸል ጆን ንከንጋሶንግ፥ እቲ ክታበት ዝርከብ ስልሒት ኣስትራዜንካ ኦክስፎርድ ብምጥቃም ክታበት ምስ ዘፍሪ ሴረም ምስዝተብሃለ ትካል ህንዲ ኢዩ ኢለን፡፡

እቲ ሕብረት ቅድሚ ሕዚ 270 ሚሊየን መጠን ዘለዎ ክታበት ቫይረስኮሮና ንኣባል ሃገራት ከምዘቕርብ ምግላፁ ይዝከር፡፡

እቲ ናይ ሕዚ 400 ሚሊየን መጠን ዘለዎ ክታበት ቫይረስኮሮና እንትውሰኾ ድማ ነተን ኣባል ሃገራት ፅቡቕ ዜና ከምዝኾነ ኢዮም እቶም ዋና ዳይሬክተር ዝገለፁ፡፡

ኣፍሪካ 60 ሚኢታዊ ዝኸውን ህዝባ ናይ ምክልኻል ዓቕሚ ንምድንፋዕ 1 ነጥቢ 5 ቢሊየን መጠን ክትባት ከምትደሊ ዝተገለፀ እንትኸውን፥ ነዚ ድማ ካብ 7 ክሳብ 10 ቢሊየን ዶላር የድሊ ኢዩ ተባሂሉ፡፡

ፍልፍል፡- ሲጂቲኤን

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ

ይግበሩ/ራ!

Comments (0)
Add Comment