ሕብረት ኣፍሪካውያን ኣሕዋትን ኣሓትን እንተዘይህሉ ከም ሃገር ኣብ ሓደጋ ክንወድቕ ነይርና- ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ጥሪ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ) ሕብረት ኣፍሪካውያን ኣሕዋትን ኣሓትን እንተዘይህሉ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብምኽኒያት ዘጋጠማ ፀገም ከም ሃገር ኣብ ሓደጋ ክንወድቕ ነይርና ኢና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስተር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ሎሚ ኣብ ዝተጀመረ መበል 35 ስሩዕ ጉባኤ ሕብረት ኣፍሪካ ብምርካብ ኣብ ዘስምዕዎ መኽፈቲ መደረ፥ ዝሓለፈ ሓደ ዓመት ንኢትዮጵያ ከቢድ ከምዝነበረ ተዛሪቦም።
እታ ሃገር ዘጋጠማ ውሽጣዊ ፈተናን ጉዳይ ምኽባር ሕጊን እንተኾነ እኳ፥ ግደ ግዳማዊ ኣካላት ገን እቲ ፀገም ከቢድ ከምዝገበርዎ ተዛሪቦም።
ኣብዚ ኣፀጋሚ ኩነታት ኣፍሪካውያን ኣሕዋትን ኣሓትን ርትዓዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ብምርዳእን ብምድጋፍን ኣብ ጎኒ ኢተዮጵያ ብምስላፎም አመስጊኖም።
እቶም ቀዳማይ ሚኒስተር፥ መንግስቲ ኢትዮጵያ ንሰላማዊ መገዲ ቀዳምነት ብምሃብ በይናዊ ደው ምባል ተዅሲ ምግባሩን እሱራት መፍትሑን ከምኡውን ኣብዛ ሃገር ብሄራዊ ምርድዳእ ንምፍጣር ሃገራዊ ኮሚሽን መድረኽ ዘተ ምጥያሹ ኣረዲኦም።
ኣፍሪካ ብኣግባቡ እትውከለሉ ቤት ምኽሪ ፀፅታ ንክፍጠር ኣብ ውድብ ሕቡራት መንግስታት ምምሕያሽ ምግባር ዘድሊየሉ ግዘ ሐዚ ኢዩ እውን ኢሎም።
ብዛዕባ ኣፍሪካ ዝተሰሓሓተ ምስሊ ብምፍጣርን ኣፍሪካውያን ከይተረፈ ባዕልቶም ዝተሰሓሓተ ኣረኣእያ ንክሕዙ ዝገብሩ መራኸብቲ ሓፋሽ ዘለውሉ ምህዳር ሚኒዲያ ዓለም ምቕያር ከምዝግባእ ብምሕባር፥ ነዚ ድማ ብዛዕባ ኣፍሪካ ዝተትሓዘ ዝተሰሓሓተ ምስሊ ዝእርም ሚዲያ ክህልወና ይግባእ ኢሎም።
ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ
እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦
ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana
ድረ ገፅና https
ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment