ሕብረት ኣውሮፓ 33 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ብምኽንያት ኲናት ዝዓነዉ ኣቢያተ ትምህርቲ ንምህናፅ ዝውዕልን ንተምሃሮ ምገባ ዝኸውንን 33 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ገይሩ።

ኲናት ኣብ ዝተወለዐሎም ከባቢታት 8 ሺሕን 500 ኣቢያተ ትምህርቲ ከምዝዓነዉን 1 ሺሕን 500 ኣቢያተ ትምህርቲ ካብ ኣገልግሎት ወፃእ ከምዝኾኑን ተገሊፁ።

ኣምባሳደር ሕበርት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሮላንድ ኮቢያ÷ ክልተ ሚሊየን ዝኾኑ ህፃናት ካብ መኣዲ ትምሀርቲ ከምዝረሓቑ ገሊፆም፡፡

“ንስምምዕነት ሰላም ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ተምሃሮ ናብ መኣዲ ትምሀርቲ ክምለሱ ምግባር ይግባእ” ኢሎም።

እቲ ሓገዝ÷ ህንፀት ኣቢያተ ትምሀርቲ፣ ፕሮግራም ምገባ፣ መሕለዊ ንፅህና፣ ጥዕናን መሰል ኣገልግሎታትን ንተምሃሮ ተበፃሒ ብምግባር ኢትዮጵያ ፅሬት ዘለዎ ትምህርቲ ንምትግባር ኣብ ትገብሮ ጉዕዞ ዝሕግዝ ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ዓለም ለኸ ትካል መድሕን ህፃናት (ዩኒሴፍ)ን ፕሮግራም ምግቢ ዓለምን ምስቲ ሕብረት ብምዃን ብሓባር ከምዘፍፅሙዎ ተገሊፁ።

በቲ ሓገዝ 80 ሺሕ ዝኣኽሉ ህፃናት ተረባሕቲ ክገብር ከምዝኽእል ዝተገለፀ እንትኸውን÷ 60 ኣቢያተ ትምሀርቲ ከምዝህነፁ ተሓቢሩ።

ብቅድስት ኣባተ

ዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment