ሕብረት ኣውሮፓ ዩክሬን ብናፃ ጦር መሳርሒ ንኽቐርበላ ክትፅበ የብላን ኢሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 26 ለካቲት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ዩክሬን ብናፃ ጦር መሳርሒ ንኽቐርበላ ክትፅበ ከምዘይግባእ ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ኮሚሽነር ዕዳጋ ቲዬሪ ብሬተን ገሊፆም፡፡

እቶም ኮሚሽነር ከምዝሓበሩዎ÷ ዩክሬን ሓደ ሚሊየን ከበድቲ ጦር መሳርሒታት ካብ ሕብረት ኣውሮፓ ብናፃ ክብርከተላ ክትሓትት ኣይግባእን፡፡

ፕሬዚዳንት ዩክሬን ቮለድሚር ዜለንስኪ እቲ ሕብረት ዝኣተዎ ቃል ክፍፅም አይከኣለን ብዝብል ኣብ ልዕሊ እቲ ሕብረት ዘልዐሉዎ ቅርታ ግቡእ ከምዘይኮነ ብምግላፅ ዝቐረበ ቅርታ ኣነኣኢሶምዎ።

ዜለንስኪ ኣብ ዝሓፈ ሰሙን ሕብረት ኣውሮፓ ክሳብ መጋቢት ንኪየቭ ከቕርብ ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ዝግበረሉ ዝነበረ ቦምቢ ሓዊሱ ዝተፈላለዩ ጦር መሳርሒታት ከቕርብ ከምዘይከኣለ ገሊፆም ነይሮም።

እቲ ሕብረት ንኸቕርቦ ትፅቢት ካብ ዝተገበረሉ ጦር መሳርሒ 30 ሚኢታዊ ጥራሕ ከምዘቕረበ ብምግላፅ ዜለንስኪ ኣብ ልዕሊ እቲ ሕብረት ቅርታ ከምዘቕረቡ እቲ ፀብፃብ ኣዘኻኺሩ፡፡

ኮሚሽነር ዕዳጋ ውሽጢ እቲ ሕብረት ከምዝበሉዎ÷ ብፕሬዚዳንት ዜለንስኪ ዝተገለፁ ሓበሬታታት ካብ ሓቂ ዝረሓቑ ኢዮም ኢሎም፡፡

ሕብረት ኣውሮፓ ንኬየቭ ብጦር መሳርሒን ብገንዘብን ንምድጋፍ ትልሚ ብምውፃእ እናሰርሐ ከምዝኾነ ብምፅራሕ÷ ካብ ገንዘብ ሓገዝ ብተወሳኺ ሓገዝ ጦር መሳርሒ ከምዝተገበረ እውን ተዛሪቦም።

ይኹን እምበር ዩክሬን ትደልዮ ጦር መሳርሒ ኩሉ እቲ ሕብረት ብናፃ ንኸቕርበላ ክትፅበ ከምዘይግባእ ኣገንዚቦም።

ዩክሬን ዝተወሰነ ጦር መሳርሒ ባዕላ ክትገዝእ ከምዝግባእ ምግላፆም ኣርቲ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment