ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ታሕሳስ፣ 2017 (ኤፍ ኤም ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ወሳኒ መሓዛ ልምዓትን ሰላምን ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ገሊፆም።
በቶም ሚኒስትር ዝምራሕ ልኡኽ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝርከቡ ኣምባሳደራትን ተወከልቲን ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓ እናተሳተፉ ዝርከቡሉ መድረኽ ስትራቴጂክ ምሕዝነት ኢትዮጵያን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።
ጌዲዮን ጢሞቲዎስ (ዶ/ር) ኣብቲ እዋን÷ ሕብረት ኣውሮፓ ወሳኒ መሓዛ ልምዓትን ሰላምን ኢትዮጵያ ከምዝኾነ ብምግላፅ እቲ ዘተ ኣብ ሰላምን ፀፅታን፣ ልምዓት ኢኮኖሚን በዓል ብዙሕ ወገን ምትሕብባርን ዘድሀበ ከምዝኾነ ሓቢሮም፡፡
ኢትዮጵያ ምስቲ ሕብረት ዘለዋ ኩለመዳይ ርክብ ክተጠናኽር ከምትደሊን ምትሕብባር ንምጥንኻር ኩለመዳይ ፃዕሪታት ከምዝገበረትን ኣብሪሆም፡፡
ኢትዮጵያ ተሳትፎ ንግዲን ኢንቨስትመንት ዘፈር ውልቀ ንምዕባይ ኢሉ እውን ዝተማለአ መመሓየሺ ፖሊሲ ማክሮ ኢኮኖሚ ተግባራዊ ከምዝገበረት ምብረሆም እውን ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡
ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሶፊ ፍሮም-ኢመስበርገር ብግደአን÷ ኢትዮጵያ ንሰላምን ምርግጋእን እቲ ዞባ ወሳኒ ግደ ከምዘለዋ ብምግላፅ፤ እቲ ሕብረት ኣብቲ ዞባ ሰላምን ድሕንነትን ንኸዓስል ልዑል ብፅሒት ከምዘለዎ እውን ሓቢረን።