ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘሰጉሞ ቅዋም መምርሒ ዘይብሉ ምዃኑ ዘርኢ ኢዩ – ሙሁራን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ጥቅምቲ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘሰጉሞ ቅዋም መምርሒ ዘይብሉ ምዃኑ ብግልፂ ዘርኢ ከምዝኾነ ተንተንቲ ፖለቲካ ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን ገሊፆም።

ኣባል ሃገር እቲ ሕብረት ዝኾነት ኣየርላንድ እናንፀባረቐቶ ትርከብ ቅዋም ተቐባልነት የብሉን ኢሎም እቶም ሙሁራት እቲ ዓውዲ፡፡

ተመራመርቲ ፖለቲካ ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን ኣይተ ዘላለም ጌታቸውን ሱራፌል ጌታሁንን÷ ስራሕቲ ፖለቲካዊ ድለላ ጉጅለ ግብረ ራዕዲ ህወሓት ብጋህዲ እናተርኣየ ከምዝኾነ እምነቶም ገሊፆም፡፡

ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ውሽጣዊ ፀገማት ኢትዮጵያ ኣመልኪቱ እናተኸተሎም ዝፀንሑ ፖለቲካዊ ኣሰላልፋታት ግልፂ ዝኾነ ውግብባ ዝተርኣየሎም ከምዝኾኑ እውን ተዛሪቦም፡፡

ኲናት ሰሜን ኢትዮጵያ ብዝምልከት መንግስቲ ፌዴራል ንሰላም ዘለዎ ቆራፅነት እናረጋገፀ ምፅንሑ እውን እቶም ሰብ ሞያ ኣብሪሆም፡፡

ብቐንዱ ድማ፤ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ልዕሊ ኢትዮጵያ ዘሰጉሞ ቅዋም መምርሒ ኣልቦነት እቲ ሕብረት ዘርኢ ከምዝኾነ እቶም ተንተንቲ ፖለቲካ ሳይንስን ዓለም ለኸ ርክብን ገሊፆም።

እዚ ኣካይዳ ድማ ከም ኣየርላንድ ዝበላ ጠጠው ንብለሉ ኢና ምስ ዝብለኦ ሰብኣዊ መሰልን ካልኦት ኣብ ሃገራት ዘይምእታው ዓለም ለኸ መምርሒታት ዝፃረር ከምዝኾነ እቶም ተመራመርቲ ተዛሪቦም፡፡

ኢትዮጵያ መሰል ዲፕሎማሲያዊን ፖለቲካዊን ፅዕንቶታት ብጥንኩር ስራሕቲ ክትምክት ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ብኣወል ኣበራ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

Comments (0)
Add Comment