ኣዲስ ኣበባ ፣ 29 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ኢትዮጵያ ሓዊሱ ንኣባል ሃገራት ኢጋድ ዝኸውን ናውቲታት ሕክምና ደገፍ ገይሩ።
ካብ እቶም ናውቲታት ሕከምና፥ 3 ነጥቢ 5 ሚሊየን ሰርጂካል ማስክ፣ 24 ኣምቡላንስን ተንቀሳቓሲ መመርመሪ ላቦራቶሪን ከምኡውን መመርመሪ ኮቪድ 19ን ተረቋሕቲ ኢዮም።
ሚኒስትር ዲኤታ ሚኒስቴር ጥዕና ዶክተር ደረጀ ዱጉማ፥ እቲ ደገፍ ኢትዮጵያ ምልባዕ ኮቪድ 19 ንምክልኻልን ምቁፅፅርን እትገብሮ ንዘላ ፃዕሪ ልዑል ሓገዝ ዝገብር ከምዝኾነ ገሊፆም።
ብሓፈሻ እቲ ሓገዝ ኣባል ሃገራት ኢጋድ ኮቪድ 19 ንምክልኻልን ምቁፅፅርን ንዝገብርኡ ዘለዋ ፃዕሪ ሓጋዚ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!