ሕብረት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ 35 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ንኢትዮጵያ 35 ሚሊየን ዩሮ ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሕብረት ዝገበሮ ሓገዝ ንልምዓታዊ ሴፍቲኔት ገፀር ዝውዕል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

እቲ ስምምዕነት ሓገዝ ሚኒስትር ዲኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋስውን ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሮናልድ ኮቢያ ተፈራሪሞምዎ።

ኣምባሳደር ሮናልድ ኮቢያ÷ እቲ ሕብረት ምስ ኢትዮጵያ ጥንኩር ምትሕብባር ከምዘለዎ ብምግላፅ፤ ብዝተገበረ ሓገዝ ሕጉስ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ሚኒስትር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ብግደአን÷ እቲ ሕብረት ንኢትዮጵያ ዝገበሮ ሓገዝ ወሳኒ ከምዝኾነ ኣብሪሀን።

ብሃብታሙ ተ/ስላሴ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment