ሕብረት ኣውሮፓ ንብሄራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኢትዮጵያ ዝውዕል ሓገዝ 7 ሚሊየን ዶላር ገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ንብሄራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኢትዮጵያ ዝውዕል ሓገዝ 7 ሚሊየን ዶላር ገይሩ።

እቲ ዝተገበረ ስምምዕነት ሓገዝ÷ ሚኒስቴር ዴኤታ ገንዘብ ሰመሪታ ሰዋሰው ኣብ ዝተረኸባሉ ኮሚሽነር ንብሄራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኢትዮጵያ መስፍን ኣርኣያ (ፕ/ር)ን ኣምባሳደር ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ኢትዮጵያ ሮላንድ ኮቢያን ተፈራሪሞምዎ።

እቲ ሕብረት ዝገበሮ ሓገዝ÷ እቲ ኮሚሽን እናሳለጦ ዝርከብ ብሄራዊ ምኽክር ብውፅኢት ንኽዛዘም ብምሕሳብ ኢዩ።

ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣውሮፓን ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ኣብ ዝተረኸቡሉ ኢዩ እቲ ስምምዕነት ተፈሪሙ።

ብቅድስት ኣባተ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment