ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሚያዚያ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ሃገራት ምብራቕ ኣፍሪካ ኣብ 2021 ንዘጋጠመ ሰብኣዊ ቅልውላው ድጋፍ ዝኸውን 149 ሚሊየን ዩሮ ከምዝሰለጠ ኣፍሊጡ።
ኮሚሽነር ኣመራርሓ ስራሕ እቲ ሕብረት ጃኔች ሉናርቺች፥ ኣብቲ ቀጣና ለውጢ ከባቢ ኣየር፣ ዕስለ ኣምበጣን ለበዳ ኮቪድ 19ን ከምኡ ውን ሰፊሕ ጎንፂን ምምዝባልን ከምዘጋጠሙ ሓቢሮም።
ብመሰረት እዚ ንምግቢ፣ መፅለሊን ኣገልግሎት ጥዕናን ዝኸውን ሓገዝ ከምዝተገበረ ኢዮም
ገሊፆም።
እቲ ሓገዝ ገንዘብ፥ ሶማሊያ 45 ነጥቢ 5 ሚሊየን፣ ሱዳን 52 ሚሊየን፣ ኡጋንዳ 32 ሚሊየን፣ ጅቡቲ ፈርቂ ሚሊየን ዩሮ ከመዝተመደበ ኣፍሊጦም።
እቶም ኮሚሽነር ኣብዚ ሰሙን ናብ ኢትዮጵያን ደቡብ ሱዳንን ዝገበርዎ ዑደት ስዒቡ ንኢትዮጵያ 53 ነጥቢ 7 ሚሊየን፣ ደቡብ ሱዳን 43 ነጥቢ 5 ሚሊየን ዩሮ ንሰብኣዊ ሓገዝ ዝኸውን ደገፍ ምግባሩ ይዝከር።
እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ
ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana
ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision
ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
ይግበሩ/ራ!