ሕብረት ኣውሮፓ ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ መንግስቲ ዝፈፀሞ ተግባራት ንኢዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ጥሪ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ መንግስቲ ዝፈፀሞ ተግባራት ንኢዱ።

ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስተር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ልእኽቲ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዶ/ር ኣኔት ዌበር ዘቲዮም።

እቲ ዘተ፥ ኣብ ኣተገባብራ እቲ ስምምዕ፣ እዋናዊ ኩነታት፣ ዞባዊን ዓለም ለኻዊን ዛዕባታት ዝጠመተ ኢዩ ተባሂሉ።

ኣይተ ደመቀ፥ መንግስቲ እቲ ስምምዕነት ተግባራዊ ኣብ ምግባር ብዙሓት ስራሕቲ ከምዝሰርሐ ገሊፆም።

ብመሰረት እዚ መሰረታዊ ኣገልግሎታት ኣብ ምጅማር፣ ሰብኣዊ ሓገዝ ተበፃሒ ኣብ ምግባርን ኮሚሽን ማእኸል ተሃድሶ ብምጥያሽ ኮሚሽነት ምሽያሙን ተዛሪቦም።

ኢትዮጵያ ምስ ሕብረት ኣውሮፓ ዘለዋ ርክብ ክብ ንምባል ዘለዋ ቅዋም እውን ኣብሪሆም።

እቲ ሕብረት ሸቶ ፖለቲካ ዘለዎ ጉዳያት ሰብኣዊ መሰል ንክምርምር ዝተሰየመ ዓለም ለኸ ጉጅለ ሰብ ሞያ ሰብኣዊ መሰል ዘበን ስርሑ ካብ ወርሒ መጋቢት 2023 ዓ.ም.ፈ ንደሓር ንከይናዋሕ ድጋፍ ክገብር ሓቲቶም።

ልእኽቲ ሕብረት ኣውሮፓ ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ዶ/ር አኔት ዌበር ብግደአን፥ ሕብረት ኣውሮፓ ብመሰረት ስምምዕነት ፕሪቶሪያ መንግስቲ ዝፈፀሞ ተግባራት ምንኣደን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እቲ ሕብረት ዝገብሮ ሓገዝ ሰብኣዊ ደገፍ ኣጠናኺሩ ክቕፅል ምዃኑ ተዛሪበን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

Comments (0)
Add Comment