ሕብረት ኣውሮፓ ስራሕቲ ለውጢ ኢትዮጵያ ምድጋፉ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 መጋቢት፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓ ስራሕቲ ለውጢ ኢትዮጵያ መድጋፉ ከምዝቕፅል ኣፍሊጡ።

ኣብ ብራስለስ ቤሊጅየም ኣብ ዝርከብ ቤት ፅሕፈት ሕብረት ኣውሮፓ ፊት ንፊት እዋናዊ ኩነታት ኢትዮጵያ ንዓለም ንምፍላጥ ዝዓለመ ሰልፊ ድጋፍ ትማሊ ተሳሊጡ።

ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣውሮፓ ዓለም ለኸ ምትሕብባር ዳይሬክቶሬት መብራቕን ማእኸላይን ኣፍሪካ ድማ እቲ ድጋፍ ሰልፊ ብዝምልከት ደብዳበ ፅሒፉ።

እቲ ሕብረት፥ ኢትዮጵያ ኣብ ምብራቕ ኣፍሪካ ቁልፊ መሻርኽቲ ምዃና ከምዝኣምን ኣፍሊጡ።

ድልየት ኢትዮጵያ ብዝግባእ ከምዝፈልጥ ብምሕባር፥ ሕብረት ኣውሮፓ ስራሕቲ ለውጢ ኢትዮጵያ ምድጋፉ ከምዝቕፅል ኣረጋጊፁ።

እቲ ሕብረት ኣብ ክልል ትግራይ ዘሎ ሰብኣዊ ቀውሲ ከምዘተሓሳስቦ ብምግላፅ፥ ኣብቲ ክልል ሕግታት ዓለም ለኻዊ ስደተኛታትን ሰብኣዊ መሰልን ንክኽበሩ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ

ቴሌግራም ገፅና https://t.me/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ኩሉ ጊዜ ምሳና ብምዃኖም/ነን ነመስግን!

Comments (0)
Add Comment