ሕብረት ኣውሮፓን ፈረንሳይን ብኲናት ንዝተሃሰዩ ሓረስቶት ትግራይን ኣምሓራን ልዕሊ 30 ሺሕ ኩንታል ዘርኢ ደገፍ ገይሮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሰነ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረት ኣውሮፓን ፈረንሳይን ብኲናት ንዝተሃሰዩ ሓረስቶት ክልላት ትግራይን ኣምሓራን ልዕሊ 30 ሺሕ ኩንታል ዘርኢ ደገፍ ገይሮም።

ኢንስቲትዩት  ትራንስፎርሜሽን ሕርሻ ኢትዮጵያን ቢሮታት ሕክሻ ክልቲአን ክልላትን ሕብረት ኣውሮፓን ፈረንሳይን ንዝገበርዎ ሓገዝ ኣፍልጦ ሂቦም።

እቲ ደገፍ ንተረባሕቲ ዝበፅሓሉ መረዳእታ ብምትእኽኻብ ነቶም ሓረስቶት ዝሓሸ ዘርኢ ከምዝተኸፋፈለ ተገሊፁ።

እቲ ሓበራዊ ፕሮጀክት ውሕስነት ምግቢ ኣብ ሰሜን ኢትዮጵያ ዘጋጠመ ጎንፂ ስዒቡ ስራሕቲ ሕርሻ ከምብሓዱሽ ንምጅማር ከምዘኽእል ኣብ ሕብረት ኣውሮፓ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment