ሕብረትን ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን መድረኽ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ጥሪ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረትን ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ዘፈር ጥዕና ዘለዎም ምትሕብባር ኣብ ምጥንኻር ዝጠመተ ልዑል መድረኽ ዘተ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ይካየድ ኣሎ።

ኣብቲ መድረኽ ዘተ÷ ኣብ ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካ ኮሚሽነር ጥዕና፣ ሰብኣዊ ጉዳያትን ማሕበራዊ ልምዓትን ሚናታ ሳማቴ ሴሱማን ኮሚሽነር ድሕንነት ጥዕናን ምግቢን ሕብረት ኣውሮፓ ስቴላ ኪሪያ ኪዲስን ተረኺበን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣመራርሓታት ማእኸል ምክልኃልን ምቁፅፃርን ሕማማት ኣፍሪካ፣ ሚኒስትር ልምዓትን ምትሕብባርን ዋና ከተማታት ቤልጂየም ካሮሊን ጄኔዝ፣ ተወከልቲ ኣባል ሃገራት ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ተሳቲፎም፡፡

እቲ መድረኽ ዘተ ክፍሊ ጥዕና፣ ሰብኣዊ ጉዳያትን ማሕበራዊ ልምዓትን ኮሚሽን ሕብረት ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ዘሰናድኡዎ ከምዝኾነ ተገሊፁ፡፡

ሕብረትን ኣፍሪካን ሕብረት ኣውሮፓን ኣብ ዓውዲ ጥዕና ዘለዎም ዓለም ለኸ ምትሕብባር ምጥንኻር፣ ስርዓታት ጥዕና ኣፍሪካን ኣውሮፓን ዓቕሚ ምህናፅን ክልቲኦም ወገናት ኣብ ሰብኣዊ ጉዳያት ዘለዎም ምትሕብባር ምድንፋዕ ኣብ ዝብሉሉ ኩነታ ከምዝዛተዩ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment