ሕብረተሰብ ኮቪድ-19 ንምክልኻል ዝገብሮ ጥንቃቐ ኣሐይሉ ክቕፅል ይግባእ – ዶክተር ሊያ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሚያዚያ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ሕብረተሰብ ብኮቪድ-19 ዝተሓዙ ሰባት ቁፅሮም እናወሰኸ ይመፅእ ስለዘሎ እቲ ቫይረስ ንምክልኻል ዝገብሮ ጥንቃቐ ኣሐይሉ ንኽቕፅል ኣተሓሳሲበን።

እተን ሚኒስትር ንግልጋሎት ዜና ኢትዮጵያ ከምዝገለፀኦ፥ ኣብ ዝሓለፉ 24 ሰዓታት ምርመራ ላቦራቶሪ ካብ ዝተገበረሎም 1 ሺሕን 382 ሰባት ብቫይረስ ኮሮና ዝተለኸፉ 17 ሰባት ከምዝተረኸቡ ተረጋጊፁ ኢዩ።

እዚ ድማ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ሓደ መዓልቲ በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ቁፅሮም ዝለዓለ ኮይኑ ከምዝተመዝገበ ብምግላፅ፤ ኣብ ኢትዮጵያ ቁፅሪ በቲ ቫይረስ ዝተረኸቡ ሰባት ናብ 162 ክብ ንኽብል ከምዝገበሮ ኣብሪሀን።

ክሳብ ሕዚ ዝተመዝገቡን ዕላዊ ዝተገበሩን ቁፅሪታት ትኽክለኛ ኣሃዝ ኣየርእዩን ዝበላ ዶክተር ሊያ፥ “ክንፈልጦ ንኽእል ዝመርመርናዮ ጥራሕ ኢዩ፤ ዝመርመርናዮ ድማ ጥሑት ቁፅሪ ኢዩ” ኢለን።

ብምዃኑ እቲ ተላባዲ ሕማም ምርሳዕን ምዝንጋዕን ከምዘየድሊ ብምግላፅ፤ ትሑት ቁፅሪ ስለዝተመዝገበ ኣብ ኢትዮጵያ የለን ማለት ከምዘይኮነ ምፍላጥ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲበን።

ኬንያን ሱዳንን ኣብ መጀመርታ መዓልቲታት ትሑት ቁፅሪ ብቫይረስ ዝተትሓዙ ሰባት ብምምዝጋበን ስዒቡ ሕብረተሰብ ብምዝንግዑ ልዑል ዋጋ ከምዘኽፈሎም እውን ኣገንዚበን።

“እኹል ትምህርቲን ስጉምቲን ንምውሳድ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎ ሰብ ክተሓዝ፣ ብዙሕ ሞት ክነመዝግብ ኣይብልናን” ዝበላ እተን ሚኒስትር፥ ዘሎ ብሕታዊ ኣማራፂ ምጥንቃቕ ስለዝኾነ ግቡእ ጥንቃቐ ክንገብር ከምዝግባእ ኣብሪሀን።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment