ሕብረተሰብ ኣብ ቅነ በዓላት ክፍፀሙ ዝኽእሉ ገበናት ንባዕሉ ክከላኸል ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 26 ታሕሳስ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ዝቕፅሉ በዓላት ክፍፀሙ ካብ ዝኽእሉ ገበናት ምጭብርባርን ምትላልን ንባዕሉ ክከላኸል ከምዝግባእ ፖሊስ ኣተሓሳሲቡ።

ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ቅነ በዓላት ኩሉ ናይ ገዝኡ ዓቕሚ ኣብ ግምት ዘእተወ ዕድጊት ምፍፃሙ ዝተለመደ ተግባር ኢዩ፡፡

ኣብ እዋን ዕድጊት በዓላት ብዙሓት ብዝተፈላለየ መገዲ ንዘረፋ ከምዘቃልዑ ዳይሬክተር ርክብ ህዝቢ ኮሚሽን ፖሊስ ኣዲስ ኣበባ ም/ኮማንደር ማርቆስ ታደሰ ተዛሪቦም፡፡

እዚ ኣብ ግምት ብምእታው ኣብታ ከተማ ኣብ መተዓዳደጊ፣ ትራንስፖርት መፀበዪን ቀንዲ ቀንዲ ኣደባባያትን ክፍፀሙ ዝኽእሉ ገበናት ንምክልኻል ዘተኣማምን ምድላው ከምዝተገበረ ገሊፆም፡፡

እዚ ንምግባር ድማ ብዙሕ ቁፅሪ ዘለዎም ኣባላት ፖሊስ ኣብ ክፍለ ከተማ፣ ወረዳን ቀጠናን ምስ ወለንታውያን መናእሰይ  ብምውዳድ ንኽሰርሑ ምውፋር ከምዝተገበረ ኣልዒሎም፡፡

ይኹን እምበር ኣብዚ ሐዚ እዋን ቴክኖሎጂ ምስ ምዝማኑ ተተሓሒዙ ናይ መታለሊ መገዲታት ዘተሓላለኹ እናኾኑ ስለዝመፅኡ ገበናት ፖሊስ በይኑ ክከላኸሎም ከምዘይኽእል ኣብሪሆም፡፡

ብፍላይ ድማ ብዲጂታል ባንኪንግ ዝፍፀም ዕድጊት ሕብረተሰብ ኣድላዪ ጥንቃቐ ንኽገብር ኣተሓሳሲቦም፡፡

ዘይሕጋዊ ዝውውር ገንዘብን ምብታን ናይ ሕሶት ገንዘብን ብፍላይ ኣብ ከባቢ ዕዳጋታት ክህሉ ከምዝኽእል ኣገንዚቦም።

ኣብ እዋን በዓል ዘጋጥሙ ናይ ምትላል፣ ምንሕዳግ፣ ምጭብርባርን ካልኦት ገበናትን ንምክልኻል ሕብረተሰብ ምስ ፖሊስ ብምውዳድ ንኽሰርሕ እውን ፀዊዖም።

ነበርቲ ብዝኾነ ይኹን ኩነታት መሰል ገበናትን ዘጠራጥር ነገር እንትምልከቱ ብስልኪ ቁፅሪ 011 111 0111 ወይ ድማ 991 ብምድዋል ሓሬታ ክህቡ ከምዝኽእሉ ኣፍሊጦም።

ብመላኩ ገድፍ

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment