ሕብረተሰብ ኣብ ቅነ በዓላት ሓደጋ ከየጋጥም ጥንቃቐ ንኽገብር ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 4 ሚያዝያ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምስ በዓላት ተተሓሒዙ ሓደጋታት ከየጋጥሙ ሕብረተሰብ ጥንቃቐ ክገብር ከምዝግባእ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ስግኣት ሓደጋን ባርዕ ሓዊን ኣተሓሳሲቡ፡፡

ኣብ ቅነ በዓላት ሓይሊ ኤሌክትሪክን ሓዊን ብስፍሓት ኣብ ረብሓ ስለዝውዕሉ ነዚ ስዒቡ ኣብ ዝቕፅል በዓል ትንሳኤ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ከየጋጥም ግቡእ ጥንቃቐ ምግባር ከምዝግባእ ተገሊፁ፡፡

ምድላው በዓል ትንሳኤ መብዛሕትኡ ኣብ እዋን ምሸት ስለዝሳለጥ፥ ብዘይምዝንጋዕን ብዘይምድካምን ስራሕቲ ብንቕሓትን ብግብኡእን መስራሕ ከምዝግባእ በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽብ ንጋቱ ማሞ ኣገንዚቦም፡፡

“ኩሎም ስራሕቲ ብሓደ ግዘ ንምስራሕ ዝግበር ፃዕሪ ትኹት ክትስእን ብምግባር ንድኻም ኢሉ እውን ንሓደጋ ስለዘቃልዕ፤ ስራሕቲ ብቕደም ሰዓብ ምስላጥ ይግባእ” ኢሎም፡፡

ፈሓም ከም ኣማራፂ ሓይሊ ኣብ ረብሓ እንትውዕል ብጥንቃቐ ክኸውን ከምዝግባእ ዝገለፁ እቶም በዓል ሞያ፥ ለይቲ ዝበስሉ ምግቢታት ሰኽቲትካ ምድቃስ ሓደገኛ ከምዝኾነ እውን ኣገንዚቦም፡፡

ካብዚ ሓሊፉ ሓደጋ እንተጋጢሙ እቲ ሓደጋ ንምቁፅፃር ኣብ ትሽዓቲአብ ጨንፈር ጣቢያታት እቲ ኮሚሽን ኣገልግሎት ተሸከርከርቲ ምቁፅፃር ሓደጋ፣ ሰራሕተኛታት እዋን ሓደጋን ኣምቡላንሳትን ድሉዋት ከምዝኾና ገሊፆም፡፡

ሕብረሰተብ በዓል ትንሳኤ ብዘይ ዝኾነ ይኹን ሓደጋ ብሰላም ተኸቢሩ ንኽዛዘም መልእኽቲታ ጥንቃቐ ተግባራዊ ክገብር ከምዝግባእን ሓደጋ እንተጋጢሙ 939 ወይ እውን 0111555300 ብምድዋል ንኸፍልጥ ሓቲቶም፡፡

ብፌቨን ቢሻው

#Ethiopia

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube

Comments (0)
Add Comment