ሕብረተሰብ ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ዓሊሞም ዝወሃቡ መምርሒታት ተግባራዊ ክገብር ከምዝግባእ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣተሓሳሲቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 7 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ሕብረተሰብ ቫይረስ ኮረና ንምክልኻል ዓሊሞም ዝወሃቡ መምርሒታት ተግባራዊ ክገብር ከምዝግባእ ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣተሓሳሲቦም።

ቀዳማዊ ፓትርያርክ ርዕሰ ሊቃነ ጳጳሳት ዘኢትዮጵያ ሊቀ ጳጳስ ዘኣክሱም ወእጨጌ ዘመንበረ ተክለሃይማኖት ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ፥ እቲ ቫይረስ ኣብ ኢትዮጵያ ምግጣሙ ስዒቡ ትማሊ መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም።

ብፁዕ ወቅዱስ ኣቡነ ማትያስ ኣብ ኢትዮጵያ ኣርባዕተ ሰባት ብቫይረስ ኮረና ምልካፎም ስዒቡ፥ ሰዓብቲ እምነት ክርስትና ሚኒስቴር ጥዕና ዝህቦም መምርሒታት ተግባራዊ ክገብሩ ከምዝግባእ ኣተሓሳሲቦም።

ኣብ ዝቐረዩ መዓልታት ዓብብዪ ፆም ኣብ ኩሎም ኣድባራትን ገዳማትን ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስቲያን ምህልላን ፆምን ክግበር ከምዝግባእ እውን ኣዊጆም።

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment