ሕብረተሰብ ብዝተረፉ መዓልቲታት ብዘይምዝንጋዕ ነባር ኖት ብር ብሓዱሽ ንኽቕይር ብሄራዊ ባንኪ ፀዊዑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 ጥቅምቲ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረተሰብ ብዝተረፉ መዓልቲታት ብዘይምዝንጋዕ ነባር ኖት ብር ብሓዱሽ ኖት ብር ክቕይር ከምዝግባእ ምክትል ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ኣይተ ሰለሞን ደስታ ኣተሓሳሲቦም።

እቶም ምክትል ገዛኢ ኣብ ዘሃቡዎ መግለፂ ከምዝሓበሩዎ፥ ክሳብ ሕዚ ኣብ ዘሎ እዋን 90 ነጥቢ 4 ቢሊየን ሓዱሽ ኖት ብር ናብ ባንኪታት ተኸፋፊሉ ኢዩ።

74 ነጥቢ 9 ቢሊየን ነባር ኖት ብር ከምዝተኣከበ እውን ኣፍሊጦም።

ብተወሳኺ ልዕሊ 273 ሺሕ ሓደሽቲ ባንኪ ኣካውንት ከምዝተኸፈቱ ዝገለፁ ኣይተ ሰሎሞን፥ እዚ ድማ ሕብረተሰብ ባንኪ ናይ ምጥቃም ልምዱ ክዓቢ እናገበረ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ሓደሽቲ ኣብ ዝተኸፈቱ ባንኪ ኣካውንት ብር 13 ነጥቢ 5 ቢሊየን ክእከብ ከምዝኸኣለ እውን ተዛሪቦም።

ሕብረተሰብ ብዙሕ መዓልቲ ተሪፉ ኣሎ ኢሉ ብዘይምዝንጋዕ ነባር ኖት ብር ብሓዱሽ ንኽቕይር ድማ እቶም ምክትል ገዛኢ ፃውዒት ኣቕሪቦም።

ብለይኩን ኣለም

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

ዝተመረፁ
Comments (0)
Add Comment