ሕብረተሰብ ብምኽንያት ምንቅጥቃጥ መሬት ዝፈልፈለ ማይ ንግዚኡ ከይጥቀም ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 መስከረም፣ 2017 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብዚ ሰሙን ብዘጋጠመ ምንቅጥቃጥ መሬት ምኽንያት ዝፈልፈለ ማይ ሓፈሻዊ ኩነታቱ ብመፅናዕቲ ክሳብ ዝረጋገፅ ሕብረተሰብ ከይጥቀመሉ ዩኒቨርሲቲ ሰመራ ኣተሓሳሲቡ፡፡

ኣብቲ ዩኒቨርሲቲ ዲን ክፍሊ ትምህርቲ ስነ-ምድር ትምህርቲ ሕንዳያ ገብሩ (ዶ/ር)÷ እቲ ዝፈልፈለ ማይ እንታይነቱ፣ ትሕዝቱኡ፣ ጥቕሚን ጉድኣቱን ብምርማር ክሳብ ዝረጋገፅ ሕብረተሰብ ንዝኾነ ይኹን ኣገልግሎት ካብ ምጥቃም ንኽቑጠብ ኣተሓሳሲቦም፡፡

ሓላፊ ክፍል ትምህርቲ ስነ-ምድሪ ጌታቸው ገብረፃድቃን ብግደኦም÷ ክሳብ 1 ነጥቢ 5 ሜትር ምንቃዕ መሬት ከመዘጋጠመ ብምሕባር፤ ኣብቲ ቦታ ዘለዉ ሰባት ናብ ካሊእ ቦታ ክዘዋወሩ ምግባር ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ብተኸታታሊ ስራሕቲ ቅድመ ጥንቃቐ ምስራሕ ከምዝግባእ ምግንዛቦም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

Comments (0)
Add Comment