ሕብረተሰብ ባህሊ ምልጋስ ደም ንከማዕብል ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ጥር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረተሰብ ደም ንዘድልዮም ወናት ዝኸውን  ባህሊ ምልጋስ ደም ንከማዕብል ፃውዒት ቀሪቡ።

ምክትል ዋና ዳይሬክተር ኣገልግሎት ባንኪ ደምን ቲሹን ኢትዮጵያ ሃብታሙ ታዬ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ቀፃሊ ቀዳም ኣብ ኣዲስ ኣበባ መርሃ ገብሪ ልገሳ ደም ክካየድ ኢዩ።

ኣብቲ ዕለት ካብ ንጎሆ ሰዓት 2 ጀሚሩ ኣብ ዝሳለጥ ልገሳ ደም  1 ሺሕ ዩኒት ደም ክእከብ ኢዩ ዝብል ትፅቢት ኣሎ።

ብመሰረት እዚ ብግዚያዊነት ኣብ ሜክሲኮ፣ መገናኛን መርካቶን ምዕራፍ ሆቴል ከባቢ ኣብ ዝርከቡ ኣደባባያት ሓዊሱ ኣብ ኣብ ቀፅሪ ሚኒስቴር ጥዕናን ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኢትዮጵያ ልገሳ ደም ከምዝካየድ ገሊፆም።

ካልኦት በቢከባቢኡ ዘርከቡ ቀዋሚ ቦታታት ምልጋስ ደም እውን ከምዘለዉ ተሓቢሩ።

ብዮሐንስ ደርበው

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment