ሕብረተሰብ ባህሊ ልገሳ ደም ንኸማዕብል ፃውዒት ቀሪቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 መጋቢት፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕብረተሰብ ባህሊ ልገሳ ደም ብምምዕባል ደም ንዘድልዮም ቀገናት ንኽበፅሕ ግልጋሎት ባንኪ ደምን ህብረ ህዋስን ኢትዮጵያ ፃውዒት ኣቕሪቡ።

ቁፅሪ ወለንታውያን ለገስቲ ደም ምንካዩ ስዒቡ እኹል ደም እናተኣከበ ከምዘይኮነ ምክትል ዋና ዳይሬክተር እቲ ግልጋሎት ሃብታሙ ታዬ ተዛሪቦም፡፡

እዚ ንምክሕሓስ ድማ መጋቢት ወርሒ ልገሳ ደም ብምባል ዝእከብ መጠን ደም ክብ ንኽብል እናተሰርሐ ከምዝኾነ ገሊፆም፡፡

ሕብረተሰብ ቀዳማይ ዝኾነ ግልጋሎት ሰብኣዊነት ደም ብምልጋስ ሓላፍነቱ ንኽዋፃ ፀዊዖም።

ኣብ የበጀት ዓመት 2016 ልዕሊ 427 ሺሕ ዩኒት ደም ንምእካብ ተሓሲቡ ኣብ ውሽጢ ሸሞንተ ኣዋርሕ 220 ሺሕ ዩኒት ደም ጥራሕ ከምዝተኣከበ ኣፍሊጦም፡፡

ብሰሎሞን ይታየው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna https://www.youtube.com/

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት https://play.google.com

Comments (0)
Add Comment