ሕብረተሰብ ሰሌዳ ተሽከርካሪ ክነፈፅመልኩም ኢና ካብ ዝብሉ ውልቀ ሰባት ዓርሱ ክከላኸል ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕትመት ሰሌዳ ተሽከርካሪን ዝርገሐን ካብ ሚኒስቴር መጓዓዝያን ሎጀስቲክስን ብውክልና ተቐቢሉ ኣብ ምስራሕ ዝርከብ ኣገልግሎት መጓዓዝያ ፐብሊክ ሰርቪስ ጉዳይ ነፈፅም ኢና ብዝብል ገንዘብ ዝሓቱ ውልቀ ሰባት ሕብረተሰብ ክጥንቀቖም ከምዝግባእ ተገሊፁ፡፡

ዳይሬክተር ጉዳያት ኮሙዩኒኬሽን እቲ ትካል ጉዳዮች ሰለሞን ኣምባቸው ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ እቲ ትካል ሰሌዳ ተሽከርካሪ ብሕጋዊ መገዲ ምስ ክልልን ምስ ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር መጓዓዝያን ብምትሕብባር ኣብ ምሃብ ይርከብ፡፡

ዝተፈጠረ ለውጢ በዓል ዋንነት ፈፃሚ ዝርገሐ ብምጥቃም ሓደ ሓደ ሰባት ቁፅሪ ሰሌዳ ዝደልዩ ኣሽከርከርቲ ጉዳዳይኩም ክነፈፅመልኩም ኢና ብምባል ናይ ምትላል ተግባር ይፍፅሙ ምህላዎም ኣመላኺቶም፡፡

እዞም ገበነኛታት ብምግላፅ እቲ ትካል ምስ ዝምልከቶም ኣካላት ኣብ ምስራሕ ይርከብ ዝበሉ እቶም ዳይሬክተር፥ ሰሌዳ ንዝሓቱ ብክልል ቤት ፅሕፈት ምምሕዳር መጓዓዝያን ኣቢሉ ሕጊ ተኸቲሉ ይወሃብ ብምህላዉ ዝኾነ ዓይነት ናይ ጥረ ኣቕሓ ኮነ ናይ ሕትመት ፀገም ከምዘየለ ሓቢሮም፡፡

ኣገልግሎት መጓዓዝያ ፐብሊክ ሰርቪስ ነቲ ስራሕ ቅድሚ ምርካቡ መዓልታዊ ብማእኸላይ 300 ቁፅርታት ሰሌዳ ይሕተም ምንባሩ ገሊፆም፤ ኣብዚ ሐዚ ናይ ዕረፍቲ መዓልትታት ሓዊሱ ኣብ ናይ ምሸት ክፍለ ግዘ ሕትመትን ዝርገሐን ብምክያድ ብማእኸላይ ኣብ መዓልቲ ልዕሊ 3 ሽሕ ሰሌዳታት ተሸከርካሪ ኣብ ምሕታም ከምዝኾነ ጠቒሶም፡፡

ሕብረተሰብ ጉዳይ ነፈፅም ኢና ዝብሉ ውልቀሰባት እንተጋጥሙዎ ንፖሊስ ከፍልጥ ከምዘለዎ ምግላፆም ካብቲ ቤት ፅሕፈት ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የመላኽት፡፡

ከባቢኦም ይሓልዉ/ዋ!

ናብ ግንባር ይውፈሩ/ራ!

መከላከያ ይደግፉ/ፋ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment