ሕብረተሰብን ኣካላት ፀፅታን ብዝገበርዎ ተሳትፎ ብዓል ጥምቀት ዝኸፍአ ጉድኣት እንተይበፅሐ ተኸቢሩ-ክልል ሃረሪ

ኣዲስ ኣበባ፣ 12 ጥሪ፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ሃረሪ ኣብ ዝተኸበረ ብዓል ጥምቀት ኣጋጢሙ ዝነበረ ፀገም ፀፅታ ሕብረተሰብን ኣካላት ፀፅታን ተዋዲዶም ብዝገበርዎ ፃዕሪ ዝኸፍአ ጉድኣት እንተይበፅሐ ከምዝተኸበረ ኮሚሽን ፖሊስ እቲ ክልል ገሊፁ።

እቲ በዓል ብምህዋኽ ኣብ ልዕሊ ሰባት ጉድኣት ንምብፃሕ ዝፈተኑ 20 ውልቀ ሰባት ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ እውን ሓቢሩ።

ኮሚሽነር ኮሚሽን ፖሊስ ክልል ሃረሪ ረመዳን ዑመር ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃብዎ መግለፂ፥ ተልእኾ ጥፍኣት ዝሓዙ ዝተወሰኑ ኣካላት ካብ 10 ጥሪ 2012 ጀሚሩ ነቲ በዓል ንምህዋኽ ፃዕሪ ከምዝገበሩ ሓቢሮም።

ይኹን እምበር ሕብረተሰብን ኣካላት ፀፅታን ተዋዲዶም ብዝገበርዎ ፃዕሪ ዝኸፍአ ጉድኣት እንተይበፅሐ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓለ ተዛሪቦም።

በቲ ዘጋጠመ ፀገም ፀፅታ 15 ኣካላት ፀፅታ ሓዊሱ 19 ሰባት ቀሊልን ከቢድን ጉድኣት ኣካል ከምዝበፅሖም ዝሓበሩ እቶም ኮሚሽነር፥ ኣብ ልዕሊ ንብረት እውን ልዑል ጉድኣት ከምዝበፅሐ ገሊፆም።

ኣብቲ ተግባር ዝተሳተፉ 20 ውልቀ ሰባት ክሳብ ሐዚ ኣብ ቁፅፅር ከምዝወዓሉ ብምግላፅ፥ ኣብ ልዕሊ ንብረት ዝበፅሐ ጉድኣት ብምፅራይን ኣድላዪ መረዳእታ ብምእካብን ተጠርጠርቲ ናብ ሕጊ ንምቕራብ ከምዝስራሕ እውን ሓቢሮም።

Comments (0)
Add Comment