ሕቡራት ዒሚረታት ዓረብ ንክልል ትግራይ ተመዛበልቲ ሓገዝ ገይራ

ኣዲስ ኣበባ፣ 13 ነሓሰ፣ 2013 (ኤፍ ቢ ሲ)ሕቡራት ዒሚረታት ዓረብ ንክልል ትግራይ ተመዛበልቲ ሓገዝ ምግቢ ከምዝገበረት ተገሊፁ።

እታ ሃገር ምስ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ብምትሕብባር ኢያ 200 ቶን ኣድለይቲ ዝኾኑ ቀረብ ምግቢ ዝፀዓና ኣውሮፕላናት ልኢኻ ዘላ።

ኣብቲ ክልል ብዝነበረ ወፍሪ ምኻባር ሕጊን ለበዳ ኮቪድ 19ን ንዝተጎድኡ ዜጋታት ዝውዕል ከምዝኾነ ዘ ናሽናል ኒውስ ፀብፂቡ፡፡

ኣምባሳደር እታ ሃገር ኣብ ኢትዮጵያ ኣምባሳደር መሓመድ ኣል ራሺዲ፥ ሃገሮም ኣብ ትግራይ ዘሎ ፃዕሪ ሰብኣዊ ሓገዝ ንምድጋፍ ቆራፅ ከምዝኾነት ተዛሪቦም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ኣብቲ ክል ቀረብ ምግቢ ትዝተሓተ እንትኸውን፥ ፕሮግራም ምግቢ ዓለም ምስ ሕቡራት ዒሚረታት ዓረብ ብምትሕብባር ዘይቲ ብልዒ ምስ ካልኦት ግቢ፣ ነዳዲን ሰብኣዊ ቀረባትን ብዝተኽኣለ ቅልጣፈ ንምብፃሕ ከምዝሃቀነ ተሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅና https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna
https://www.youtube.com/c/fanabroadcastingcorporate/ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት
https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment