ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ከይዲ ድርድር ኢትዮጵያ ንኣባልነት ዓለም ለኸ ትካል ንግዲ ከምትድግፍ ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 18 ሓምለ፣ 2016 (ኤፍ ቢ ሲ)ኢትዮጵያ እናካየደቶ ትርከብ ከይዲ ድርድር ኣባልነት ዓለም ትካል ንግዲ ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ብቴክኒክ ከምትደግፍ ኣፍሊጣ፡፡

ሚኒስትር ንግዲን ዞባዊ ምትእስሳርን ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር) ኣብ ሩሲያ ሞስኮ እናተኻየደ ኣብ ዝርከብ ኣኼባ ቤት ምኽሪ ሚኒስትራት ንግዲ ብሪክስ ይሳተፉ ኣለዉ፡፡

ካሳሁን ጎፌ (ዶ/ር)፥ ጎድና ጎድኒ እቲ ኣኼባ ኣብ ሚኒስቴር ኢኮኖሚ ሚኒስትር ዴኤታ ዘፈር ንግዲ ወፃኢ ተሃኒ ኣህመድ (ዶ/ር) ተዛቲዮም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘተ፥ ልውውጥ ብግዲ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዘዕብዩሉ ኩነታት ዕዉት ምይይጥ ከምዝገበሩ እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲያ ገፆም ፅሒፎም፡፡

ኢትዮጵያ እናካየደቶ ትርከብ ከይዲ ድርድር ኣባልነት ዓለም ትካል ንግዲ ሕቡራት ኤሚሬታት ዓረብ ብቴክኒክ ከምትደግፍ እቶም ሚኒስትር ዴኤታ ቃል ከምዝኣተዉ ገሊፆም፡፡

ነዚ ድማ ዝርዝር ሓበራዊ ትልሚ ከምዝተሓንፀፀ ብምሕባር÷ ቃል ስለዝተኣተወ ሓገዝ ቴክኒክ ምስጋና ኣቕሪቦም፡፡

Comments (0)
Add Comment