ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብን ቱርኪን ኣብ 13 ዘፈራት ኢኮኖሚ ንምትሕብባር ተስማዕሚዐን

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ለካቲት፣ 2014 (ኤፍ ቢሲ)ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብን ቱርኪን ኣብ 13 ዘፈራት ኢኮኖሚ ንምስራሕ ከምዝተስማዕማዓ ኣፍሊጠን።

ፕሬዚዳንት ቱርኪ ረጅብ ጣይብ ኤርዶሃን ድሕሪ 10 ዓመታት ኣብ ሕቡራት ኢሚሬታት ዓረብ ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዝገበሩ እንትኾኑ፥ ኣብ ኣቡዳቢ ልኡል ወራሲ ዓራት ሼኽ መሓመድ ቢን ዚያድ ሰፊሕ ዘተ ገይሮም፡፡

ሼኽ መሓመድ ቢን ዚያድ ነቲ ዘተ ኣመልኪቶም ከምዝገለፁዎ፥ ኣብቲ ዝተገበረ ዘተ ልውውጥ ንግዲ ክልቲአን ሃገራት ብዕፅፊ ንምዕባይ ተስማዕሚዐን፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ክልቲአን ሃገራት ፀፅታን ወታደራዊን ዓቕመን ንምድንፋዕ ብሓር ንምስራሕ ከምዝተስማዕማዓ ተገሊፁ፡፡

ኣባላት ጉጅለ ልኡኽ ቱርኪ ኮይኖም ኣብ ኤሚሬትስ ዝተረኸቡ ተወከልቲ መንግስቲ ምስ መዘናታቶም ኣብ ዘፈራት ጥዕናን ሳይንስ ሕክምናን፣ ሓይሊ ባሕሪ፣ ኢንዱስትሪ ቴክኖሎጅ፣ ለውጢ ንብረት ኣየር፣ ኣብ ንግዲን ኢኮኖሚን ብሓፈሻ ኣብ 13 ዘፈራት ኢኮኖሚ ብሓባር ንምስራሕ ከምዝተስማዕማዓ ወኪል ዜና ኤሚሬትስ ዘናሽናል ፀብፂቡ፡፡

ብሚኪያስ ኣየለ

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment