ሕረተሰብ ተሳታፊ ምግባር ንምርግጋፅ ሰላም ኣድላዪ ኢዩ – ዶክተር ቀነኣ ያደታ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ሚያዝያ፣ 2014 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዘይተሳትፎ ህዝቢ ሰላም ምርግጋፅ ስለዘይከኣል ሕረተሰብ ተሳታፊ ምግባር ንምርግጋፅ ሰላም ኣድላዪ ከምዝኾነ ሓላፊ ቢሮ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ዶክተር ቀነኣ ያደታ ገሊፂም።

ቢሮ ሰላምን ፀፅታን ኣዲስ ኣበባ ምስ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ብምትሕብባር ኣብታ ክፍለ ከተማ ንኣባላት ህዝባዊ ሰራዊት ንክልተ መዓልቲ ዝፀንሕ ስልጠና ምሃብ ጀሚሩ።

ኣብቲ መርሃ ግብሪ ዝተረኸቡ ሓላፊ እቲ ቢሮ ዶክተር ቀነኣ ያደታ፥ ብዘይተሳትፎ ህዝቢ ሰላም ምርግጋፅ ስለዘይከኣል ሕረተሰብ ተሳታፊ ምግባር ንምርግጋፅ ሰላም ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊጾም፡፡

ሰላም ከተማ ኣዲስ ኣበባ ንምርግጋፅ ኩሉ ከባቢኡ ብንቐሓት ክሕሉ ከምዝግባእ ዋና ፈፃሚ ስራሕ ክፍለ ከተማ ቂርቆስ ኣይተ ዘመኑ ደሳለኝ ተዛሪቦም።

እቲ ህዝባዊ ሰራዊት ሰላምን ፀፅታን ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብምኽባር ዝገብሮ ኣስተዋፅኦ ብዘላቕነት ንምቕፃል ተሓሲቡ እቲ ስልጠና ከምዝተሰናደአ ካብ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

ንኢትዮጵያ፦ ነልምዕ፣ ንህነፅ፣ ንዳሎ!

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

Comments (0)
Add Comment